The New Testament of our Lord and Saviour Jesus Christ

ወንጌል ማቴዎስ 1

1 መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም። 2 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፡ 3 ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡ 4 ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡ 5 ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ። 6 እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፡ 7 ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፡ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡ 8 ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡ 9 ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡ 10 ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡ 11 እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ። 12 ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ 13 ዘሩባቤል ንኣብዪድ ወለደ፡ ኣብዪድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ 14 ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዪድ ወለደ፡ 15 ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ 16 ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወልደ። 17 እምብኣርሲ ዂሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። 18 ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19 ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሐሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። 20 ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21 ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። 22 እዚ ዂሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ 23 እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። 24 ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። 25 በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።

ወንጌል ማቴዎስ 2

1-2 የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት - ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። 3 ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኲላ የሩሳሌምውን ምስኡ። 4 ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ ኢሉ ሐተቶም። 5-6 ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት - ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት - ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። 7 ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። 8 ናብ ቤት ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ፡ በሎም። 9 ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። 10 ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ። 11 ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸተ ሀብዎ። 12 ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። 13 ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ፡ በሎ። 14 ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። 15 እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ። 16 ሽዑ ሄሮድስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዂሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኲሉ ጐደቦታታ ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንብዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ። 17-18 ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተባህለ ተፈጸመ። 19 ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ፡ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ 20 እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ። 21 ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ። 22 ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሄ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። 23 እቲ ብነብያት፡ ናዝሬታዊ ኺበሀል፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።

ወንጌል ማቴዎስ 3

1-2 በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። 3 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። 4 ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጒሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቚኡ ድማ ፈልቊ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ። 5 ሽዑ የሩሳሌም ኲላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጸት። 6 ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 7 ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረኣየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧ 8 እምብኣርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። 9 ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጒንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 11 ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጽወር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። 12 ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ ኣለዎ፡ ስርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ። 13 ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። 14 ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። 15 የሱስ ከኣ፡ ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። 16 የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። 17 እንሆ ድማ፡ ብእኡ ዝሰመርዱ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።

ወንጌል ማቴዎስ 4

1 ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 2 ኣርብዓ መዓልትን ኣብርዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። 3 እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። 4 የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኲሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5 ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ። 6 እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። 7 የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ፡ በሎ። 8 ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኲላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡ 9 ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዂሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። 10 ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። 11 ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። 12 የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ፡ ናብ ገሊላ ድሕር በለ። 13 ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ናሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። 14 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ 15 ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ 16 ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። 17 የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግሰተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ። 18 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓውን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ። 19 የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። 20 ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዐብዎ። 21 ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም። 22 ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። 23 የሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዂሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 24 ወሪኡውን ኣብ ኲላ ሶርያ ወጸ። ንዂሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለውዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጒዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25 ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።

ወንጌል ማቴዎስ 5

1 ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። 2 ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ 3 ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 4 ዚጒህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 5 ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 6 ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 7 መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 8 ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 9 ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 10 ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 11 እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። 12 ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። 13 ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይመቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። 14 ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። 15 መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዂሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። 16 ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኸም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። 17 ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽምዎ እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። 18 ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 19 እምበኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። 20 ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣሎኹ። 21 ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚማኩም ኣሎኹም። 22 ኣነ ግና፡ ንሓው ዚቚጥዖ ዘበለ ዂሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓው፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣት ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 23 እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ 24 ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። 25 ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። 26 እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ። 27 ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 28 ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዂሉ ብልቡ ፈጹሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 29 የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። 30 የማነቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። 31 ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። 32 ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዂሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 33 ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 34 ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ብሰማይ ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ 35 ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። 36 ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል። 37 ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። 38 ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 39 ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ። 40 ነቲ ኺማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። 41 ሓንቲ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። 42 ንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ። 43 ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 44-45 ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግመኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። 46 ነቶም ዚፈትውኹምን እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ 47 ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ 48 እምበኣርከ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።

ወንጌል ማቴዎስ 6

1 ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርእዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። 2 እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 3-4 ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። 5 ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኸርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 6 ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማኦጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 7 ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። 8 እምበኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። 9 ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 10 መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። 12 ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ ደልና ሕደገልና። 13 ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን። 14 ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። 15 ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። 16 ክትጾሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17-18 ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 19-21 መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። 22 ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። 23 ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። 24 ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። 25 ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 26 ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ 27 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 28 ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። 29 ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 30 ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ 31 እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። 32 ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዂሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ይውሰኸልኩም። 34 ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

ወንጌል ማቴዎስ 7

1-2 ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። 3 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ 4 ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጒንዲ ኣብ ዓይንካ ኣሎ። 5 ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጒንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ። 6 እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቊኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዪ፡ በእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም። 7-8 ዝለመነ ዂሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። 9-10 ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ? 11 እምብኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም። 12 እምብኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዂሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። 13-14 እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፊሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ። 15 ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። 16 ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፧ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ 17 ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። 18 ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። 19 ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20 እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። 21 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዂሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን። 22 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። 23 ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። 24 ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዂሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። 25 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደርእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። 26 ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዂሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ። 28-29 ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።

ወንጌል ማቴዎስ 8

1 ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። 2 እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። 3 ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ። 4 የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ንኣታቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ። 5-6 ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጹኡ፡ ጐይታይ፡ ቈልዓይ መጽጒዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። 7 የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። 8 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቅዕን እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ። 9 ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 10 የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 11 ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 12 ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 13 የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ። 14 የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። 15 ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ። 16-17 ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም። 18 የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ። 19 ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ፡ በሎ። 20 የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ ኣለወን፡ ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። 21 ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 22 የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምውታትሲ ምውታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ። 23 ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ። 24 እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። 25 ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። 26 ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። 27 እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 28 ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ክልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ። 29 እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፡ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ። 30 ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። 31 እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ። 32 ንሱ ኸኣ፡ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኲምም በለ። 33 እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ዂሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዎምን ከኣ ኣውረዩ። 34 እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።

ወንጌል ማቴዎስ 9

1 ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ። 2 እንሆ ኸኣ፡ መጸጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደየ፡ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። 3 እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ ኣሎ፡ በሉ። 4 የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 5 ኣየናይ ይቐልል፧ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ 6 ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 7 ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8 እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ። 9 የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። 10 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጡ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11 ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውቲን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። 12 የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። 13 ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም። 14 ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። 15 የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። 16 ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17 ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። 18 እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጸ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ፡ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። 19 የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ። 20-21 እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። 22 የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት። 23 የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረኣየ፡ 24 እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ። 25 እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት። 26 ኣብ ኲላ እታ ሃገርውን ወሪኣ ወጸ። 27 የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ። 28 ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕውራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ። 29 ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ። 30 ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም። 31 ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኲላ እታ ሃገር ኣውረዩ። 32 ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ። 33 እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ። 34 ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ፡ በሉ። 35 የሱስ ኣብ ኲሉ ኸተማታትን ኣብ ኲሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 36 ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም። 37 ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። 38 ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።

ወንጌል ማቴዎስ 10

1 ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም። 2 ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። 3 ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ 4 ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 5-6 የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። 7 ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። 8 ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ። 9 ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። 10 ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ። 11 ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። 12 ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። 13 እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና፡ ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንት ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14 እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። 15 ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 16 እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17-18 ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቀቑ። 19 ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20 መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። 21 ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። 22 ስለ ስመይ ከኣ ኲሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። 23 ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስርኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24 ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። 25 ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤልዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎም። 26 እምበርኣርኸ፡ ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። 27 ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28 ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም። 29 ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዩን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። 30 ጸጒሪ ርእስኹም ኲለን እኳ ቚጹራት እየን። 31 እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 32 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዂሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34 ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን። 35 ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ 36 ንሰብ እቶም ቤተሰብ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። 37 እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38 መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። 39 እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ። 40 ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ። 41 ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወይ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

ወንጌል ማቴዎስ 11

1 ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ። 2 ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡ 3 እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ። 4 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንብስ ንገርዎ፡ 5 ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ። 6 ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ። 7 ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚልብ ሻምብቆዶ፧ 8 እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ። 9 ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ። 11 ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማይ ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ። 12 ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ ምንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ። 13 ኲሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ። 14 ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ። 15 እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 16 ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል። 17 እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኸኹምን። 18 ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ። 19 ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት። 20 ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነስሓ ኺነቕፈን ጀመረ፡ 21 ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓመዂስቲ ተነጺፈን ምተነሰሓ ነይረን። 22 ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን ኣሎኹ። 23 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ። 24 ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኸ። 25 በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 26 እወ፡ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። 27 ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን። 28 ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። 29-30 ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።

ወንጌል ማቴዎስ 12

1 በታ ግዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ። 2 ፈረሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡ በልዎ። 3 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ 4 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧ 5 ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧ 6 ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 7 ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም። 8 እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ። 9 ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ። 10 እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 11 በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩም ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጒድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ እዩ፧ 12 ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምብኣርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። 13 ሽዑ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይታውን ኰነት። 14 ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ። 15 የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዂሎምውን ኣሕወዮም። 16 ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 17 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ 18 እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። 19 ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። 20 ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። 21 ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም። 22 ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕውር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። 23 እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 24 ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤልዜብል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። 25 የሱስ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። 26 ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፈላለየ፡ እታ መንግስቱ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 28 ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። 29 ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 30 ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። 31 ስለዚ ንሱ ኲሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። 32 ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ኦኣለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 33 ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። 34 ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ 35 እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። 36-37 ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዂነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኲሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 38 ሽዕሪ ሓያሎ ኻብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም መለሱ። 39 ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። 40 ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። 41 ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዂንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 42 ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኲንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 43 ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። 44 ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። 45 ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ። 46 ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። 47 ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ በሎ። 48 ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ እሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። 49-50 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዂሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።

ወንጌል ማቴዎስ 13

1 በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2 ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። 3 ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። 4 ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። 5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። 6 ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ፡ ነቐጸ። 7 ገሊኡ ኣብ እሾዂ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። 8 ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። 9 እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 10 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧ በልዎ። 11 መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12 ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። 13 እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፡ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 14-15 ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 16-17 ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። 18 እምብኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። 19 ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዂሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። 20 እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። 21 ንሽዑ ጥረኣይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22 እቲ ኣብ እሾዂ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። 23 እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ምእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ። 24 ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። 25 እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጻላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26 ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። 27 ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። 28 ንሱ ኸኣ፡ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። 29 ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። 30 ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ። 31 ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32 ንሳ ኸኣ ካብ ኲሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘለት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨነፍራ ኽሳዕ ዚዐርፋ፡ ካብ ኲሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን። 33 ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ ትመስል። 34-35 የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። 36 ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጒመልና፡ በልዎ። 37 መሉሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። 38 እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። 39 እቲ ዝዘርኦም ጻላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40 ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 41 ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዂሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ 42 ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 43 ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጻሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 44 ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዂሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ። 45 ድማ መንግስተ ሰማያት ጽቡቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። 46 ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዂሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ። 47 ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኲሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። 48 ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። 49 ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ 50 ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 51 ነዚ ዂሉስ ኣሰተውዒልኩምዎዶ ኣሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ፡ በልዎ። 52 ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዂሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም። 53 ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ። 54-56 ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ? እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን? ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን? ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን? ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን? እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ? ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። 57 ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። 58 ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

ወንጌል ማቴዎስ 14

1 በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዔ። 2 ንገላውኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምውታት ተንሲኡ ኣሎ፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በሎም። 3-4 ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓው፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። 5 ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም። 6 ሄሮድስ እተወልዳል መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ። 7 ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8 ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። 9 እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪህብዋ ኣዘዘ። 10 ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። 11 እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ። 13 የሱስ እዚ ሰምዔ፡ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ። 14 የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡ ሕሙማቶምውን ኣሕወየ። 15 ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት ኣትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 16 የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። 17 ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ብዘይ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ግለ የልቦን፡ በልዎ። 18 ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ በለ። 19 እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ገጹ ቚሊሕ በለ፡ ባሪኹ ቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሰብ ሀብዎም። 20 ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተዉ ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። 21 እቶም ዝበልዑ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። 22 ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎ፡ ብግዲ በሎም። 23 ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ፡ ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። 24 እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚአ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። 25 የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። 26 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱ፡ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ። 27 ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 28 ጴጥሮስ መሊሱ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንክሳ፡ ብማየ ማይ ናባኻ ኽመጽእ ኣዝዘኒ፡ በሎ። 29 ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ። 30 ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሄ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። 31 ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጒዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ። 32 ናብ ጃልባ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ። 33 እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ፡ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ። 34 ተሳጊሮም ከኣ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጹ። 35 እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፡ ኣብ ጐደቦኦም ናብ ዘለዋ ዂለን ዓድታት ለኣኹ፡ ኲሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ። 36 ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ሐወየ።

ወንጌል ማቴዎስ 15

1 ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ 2 ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ። 3 ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፧ 4 ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ዀን ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። 5 ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀሙሉ መባእ ጌረዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። 6 ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። 7 ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 8 እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። 9 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ። 10 ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡ 11 ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚኣቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። 12 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። 13 ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዂሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። 14 ሕደግዎም፡ ዕውራትን መራሕቲ ዕውራትን እዮም። ንዕውርስ ዕውር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጒድጓድ ይወድቁ። 15 ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጒመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። 16 የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ 17 ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈጡን ኢኹም፧ 18 እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 19 ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ 20 እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን። 21 የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። 22 እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። 23 ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። 24 ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። 25 ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። 26 ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። 27 ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። 28 ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት። 29 የሱስ ካብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ። 30 ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። 31 እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራጻት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕውራትውን ኪርእዩ ርኣዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። 32 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዖዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። 33 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። 34 የሱስ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። 35 ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። 36 ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም። 37 ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓአ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። 38 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑ፡ ኣርባዐ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። 39 ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።

ወንጌል ማቴዎስ 16

1 ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። 2 ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። 3 ምስ ወግሔ ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን 4 ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትምእርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ። 5 ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረሰዑ። 6 የሱስ ድማ ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፋሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተአርነቡን፡ በሎም። 7 ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ። 8 የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልብኹም ትሐስቡ 9 እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን 10 ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም 11 እቲ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ 12 ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም ፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ። 13 የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ምስ መጸ ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኢሉ ሐተቶም። 14 ንሳቶም ከኣ ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። 15 ንሱ ኸኣ ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም በሎም። 16 ስምኦን ጴጥሮስ ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ፡ ኢሉ መለሰሉ። 17 የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። 18 ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። 19 መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 20 ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። 21 ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጻሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ፡ ኺቕተል ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ። ኪገልጸሎም ጀመረ። 22 ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ድኣ ጐይታይ ፡እዝስ ኣይብጻሕካ ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። 23 የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ፤ካባይ ርሓቕ ፡ ሰይጣን ፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐሰብን ኢኻ እሞ ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። 24-25 ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። 26 ንሰብከ ዂላ ዓለም ረቢሑስ ፡ ነፍሱ እንተ እጥፍኤ ፡ እንታይ ይጠቅሞ ፡ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ 27 ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። 28 ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

ወንጌል ማቴዎስ 17

1 ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። 2 ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ ። 3 እንሆ ኸኣ ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። 4 ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ ። 5 ገና ኺዛረብ ከሎ ፡ እንሆ ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም ። እንሆ ኸኣ ፡ ካብቲ ደበና ፡ ዝፈትዎ ወደይ ፡ ብእኡ ዝስመርኩ እዚ እዩ ፡ ንእኡ ስምዕዎ። ዚብል ድምጺ መጸ። 6 ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ ። 7 የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። 8 ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9 ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ ፡ ኢሉ ኣዘዞም ። 10 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ። 11 ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም ፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ ፡ ንዂሉ ድማ የቕንዕ ። 12 ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ፤ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር ፡ ኣየለለይዎን ። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ። 13 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ። 14 ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢዱ ነስኣሉ። 15 በሎውን ፤ጐይታይ ፡ ንወደይ ምሐረለይ ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ ፡ 16 ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። 17 የሱስ ግና መለሰ በለውን ፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ ፡ ክሳዕ መኣስ ምሳኻትኪም ክነብር እዩ ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። 18 የሱስ ገንሖ ፡እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ስዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። 19 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም ፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና በልዎ ። 20 የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጐደለት ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ፡ ነዚ ኸረን ድማ ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ ፡ ትብልዎ ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚስኣነኩምውን የልቦን ። 21 እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም። 22 ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ። 23 ኪቐትልዎ፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም ። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ። 24 ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ ፡ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም ፤ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብርዶ ኣይፈድን እዩ በልዎ። 25 ንሱ ፤ይፈዲባ ፡ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ ፤ ስምኦን ፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት ፡ እንታይ ይመስለካ በሎ ። 26 ጴጥሮስ ፤ ካብ ካልኦትባ ፡ በለ። የሱስ ከኣ ደቆምስኸ ናጻ እዮም። 27 ከይንዕንቅፎም ግና ፡ ናብ ባሕሪ ኬድካ መቓጥን ደርቢ ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም ፡ በሎ።

ወንጌል ማቴዎስ 18

1 በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግሰተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ ። 2 ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። 3 በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም ፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4 እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ 5 ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል ፡ ንኣይ ይቕበል ። 6 ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኪጥሕል ይሔሾ። 7 መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ ። 8 ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ካብ እትድርበስ ፡ ቊሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 9 ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 10 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11 ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡ 12 እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን 13 እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14 ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኪጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። 15 ሓውካ እንተ በደለካ ፡ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ ። እንተ ሰምዓካ ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ ። 16 እንተ ዘይሰማዓካ ግና ፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኲሉ ነገር ኪጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17 ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ ፡ ማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና ፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። 18 ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 19-20 ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። 21 ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ ጐይታይ ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ ። 22 የሱስ በሎ ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር። ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን ። 23 ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጻባጸብ ዝድለየ ንጉስ ትመስል። 24 ኪጻባጸብ ምስ ጀመረ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። 25 ዚፈድዮ ምስ ስአነ ግና ፡ እቲ ጐይትኡ ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዂሉን ኪሸየጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። 26 ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ ፡ ጐይታይ ፡ ተዐገሰኒ ኲሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ ፡ ኢሉ ሰገደሉ ። 27 ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን ፡ ዕድኡውን ሐደገሉ ። 28 እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ ። ሒዙ ኸኣ ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ፡ ኢሉ ሐነቆ። 29 ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ ፡ ተዐገሰኒ ፡ ኲሉ ኽፈድየካ እየ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ ። 30 ንሱ ግና አበዮ ፡ ከይዱ ድማ ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ ፡ ኣእሰሮ። 31 እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። 32 ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። 33 ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን በሎ። 34 ጐይታኡ ዀርዩ ፡ ኲሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ ፡ ንዜጽብብሉ ኣሕሊፉ ሀቦ ። 35 ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓው ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ ፡ እቲ ሰማይዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብርኩም እዩ።

ወንጌል ማቴዎስ 19

1 ኰነ ድማ ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ ። ካብ ገሊላ ነቒሉ ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። 2 ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። 3 ፈሪሳውያን ድማ ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ፡ ተፈቒዱሉ እዩ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። 4 መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም ፡ 5 ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን 6 ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ ። 7 ንሳቶም ፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ በልዎ ። 8 ንሱ ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን ፡ በሎም። 9 ኣነ ግና ፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ ፡እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን ፡ በልዎ ። 11 ንሱ ግና በሎም ፡እዚ ነገርዚ ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዂሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን ። 12 ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ። 13 ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም ፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ ፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም ። 14 የሱስ ግና ፤ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ፡ ሕደጉ ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም ፡ በለ። 15 ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። 16 እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ ፡ ዎ መምህር ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር በለ ። 17 ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ ኣሎኻ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ ። 18 ንሱ ፡ ኣየኖት በሎ። የሱስ ከኣ ፡ እኒ ኣይትቕተል ፡ ኣይትዘሙ ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር። 19 ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ ፡ በሎ ። 20 እቲ ጐበዝ ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ በሎ። 21 የሱስ ከኣ ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ ፡ ኪድ ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ፡ ንዓ ሰዐበኒ ፡ በሎ ። 22 እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ ፡ እናጐሀየ ኸደ። 23 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። 24 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። 25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ ። 26 የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን ፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ ፡ በሎም ። 27 ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ፡ እንሆ ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና በሎ። 28 የሱስ በሎም ፤ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 29 ስለ ስመይ ኢሉ ፡ ኣባይቲ ዀነ ፡ ወይስ ኣሕዋት ፡ ወይ ኣሓት ፡ ወይ ኣቦ ፡ ወይ ኣደ ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ ናይ ዘልኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። 30 ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት ፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።

ወንጌል ማቴዎስ 20

1 መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። 2 ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3 ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ኦዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ። 4 ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዚግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። 5 ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። 6 ድማ ብመበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። 7 ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም። 8 ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሀቦም፡ በሎ። 9 እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። 10 እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። 11 ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡ 12 ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። 13 ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሳማማዕካንን፧ 14 ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። 15 ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ 16 ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ፡ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም። 17 የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ናብ መገዲ ወሰዶም በሎም ድማ፡ 18 እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም። 19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኦም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ። 20 ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ድቃ መጸት፡ ተደፊኣ ድማ ካብኡ ገለ ለመነት። 21 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትደልዪ፧ በላ። ንሳ፡ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል፡ በለቶ። 22 የሱስ ግና መሊሱ፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧ በለ። ንሳቶም፡ ንኽእል፡ በልዎ። 23 ንሱ ኸኣ፡ ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 24 እቶም ዓሰርተ እዚ ሰሚዖም፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተናደዱ። 25 የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 26 ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 27 እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሉ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን። 28 ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን። 29 ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዐብዎ። 30 እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕውራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሐልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ጨርሑ። 31 እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ ኢሎም ኣዝዮም ጨርሑ። 32 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። 33 ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ፡ በልዎ። 34 የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዐብዎ ድማ።

ወንጌል ማቴዎስ 21

1 ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤትፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2 በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም። 3 ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ። 4-5 እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዂሉ ዀነ። 6 ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። 7 ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ። 8 ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9 ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 10 ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት። 11 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ። 12 የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዂሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 13 ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። 14 ዕውራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 15 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡ 16 እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። 17 ሐዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ሐደረ። 18 ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ። 19 ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት። 20 ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ። 21-22 የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዂሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 23 ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ። 24 የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 25 ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። 26 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኲሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ። 27 ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም። 28 ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። 29 ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። 30 ናብ ኻልአይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31 ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝግበረ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናባ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከ ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 32 ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውት ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩን። 33 ካልእ ምስላ ሰምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። 34 ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮቱ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ። 35 እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። 36 ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም። 37 መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ። 38 እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ። 39 ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። 40 እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓየይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ 41 ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። 42 የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ 43 ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 44 ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። 45 ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ። 46 ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።

ወንጌል ማቴዎስ 22

1 የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፡ 2 መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3 ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። 4 ከም ብሓድሽ ድማ ነቶ ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ስባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኣይ ባሮት ለኣኸ። 5 ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። 6 እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምውን። 7 እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ። 8 ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ 9 ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። 10 እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ። 11 እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረአየ እሞ፡ 12 ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13 ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላውኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃ ኣስናንን ይኸውን። 14 ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም። 15 ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ። 16 ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ። 17 እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። 18 የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። 19 ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። 20 ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በልም። 21 ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ አልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። 22 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። 24 ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓው ኸኣ ዘርኢ የቚመሉ፡ በለ።። 25 ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓው ሐደጋ። 26 ከምኡ ኸኣ እቲ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ። 27 ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28 ኲሎም ኣእተዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 29 የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣሎኹም። 30 ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን። 31-32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን? እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምውታት ኣይኰነን። 33 እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ። 34 ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውና ከም ዝዐጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ። 35-36 ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ? ኢሉ ሐተቶ። 37 የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ 38 እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። 39 እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። 40 ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡ በሎ። 41 ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡ 42 ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለካ፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ወዲ ዳዊት፡ በልዎ። 43-44 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ? 45 እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም። 46 ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።

ወንጌል ማቴዎስ 23

1 ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ 2 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። 3 ስለዚ ዚብሉኹም ኲሉ ግበሩን ሐልውን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። 4 ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። 5 ኲሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክሳውንቶም የንውሑ። 6 ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። 7 ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ። 8 ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉን፡ ንስኻትኩምሲ ዂልኹም ኣሕዋት ኢኹም። 9 ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። 10 መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። 11 እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። 12 ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ። 13 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትዉዋን፡ ነቶም ኪኣትዉዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 14 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ ኣሎኹም። ስለዚ ዝገደደ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 15 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 16 ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕውራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። 17 ኣቱም ደናቚርትን ዕውራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18 ብመሰውኢ ዚምሕል ድሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቚርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። 19 ኣቱም ደናቚርትን ዕውራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቊርባንዶ ወይስ እቲ ንቚርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ 20 እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዂሉን ይምሕል ኣሎ። 21 እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል ኣሎ። 22 እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል። 23 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። 24 ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕውራት መራሕቲ። 25 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26 ኣታ ዕውር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። 27 ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምውታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 28 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ። 29 ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 30 ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸምበርናን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 31 እምብኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣሎኹም። 32 ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። 33 ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ 34 ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም ኣሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጒዎም ኣሎኹም። 35 እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳኦ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዂሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። 36 እዚ ዂሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 37 የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። 38-39 ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

ወንጌል ማቴዎስ 24

1 የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። 2 ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዂሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 3 ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። 4 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5 ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንቡዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 6 ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዂሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 7 ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8 እዚ ዂሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10 ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። 11 ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 12 ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። 14 እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። 15 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ 16 ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ። 17 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። 18 ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19 በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። 20-21 ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። 22 እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። 23 ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። 24 ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 25 እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። 26 እንሆ፡ ኣብ በረኻ ኣሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ፡ ኣብ ቤት ኣሎ፡ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። 27 በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 28 ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። 29 ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጻሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቅጥቅጡ እዮም። 30 ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኲሎ ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። 31 ንመላእክቲ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። 32 ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዂሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። 34 እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 35 ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። 36 ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መለእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። 37 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 38 ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ 39 ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዂሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 40 ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 41 ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። 42 ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 43 ግናኸ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት ነኣ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። 44 ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። 45 እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣሰተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ 46 ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። 47 ኣብ ኲሉ ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48 እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ፡ 49 ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። 50 ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። 51 ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

ወንጌል ማቴዎስ 25

1 ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2 ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሸተ ግና ለባማት እየን። 3 እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። 4 እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። 5 መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኲለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። 6 ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። 7 ሽዑ እተን ደናግል ኲለን ተንስኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። 8 እተን ዓያሱ ንተን ለባማት፡ ቀነዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን። 9 እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። 10 ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጽወ። 11 ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። 12 ንሱ ግና መሉሱ፡ ብሓቂ እብለክን ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። 13 እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 14 መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። 15 ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። 16 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17 እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። 18 እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዂዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። 19 ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ። 20 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21 እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22 እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24 እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25 ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26 እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸ ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። 27 እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28 ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። 29 ንዘለዎ ዘበለ ዂሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30 ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 31 ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኲሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። 32 ኲሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። 33 ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጻጋሙ የቑመን። 34 ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። 35 ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። 36 ዐሪቐ፡ ከአንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። 37 ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ 38 መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናኻ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕክሳ ከደንናካ፧ 39 መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ይብሉ። 40 እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ብሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 41 ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። 42 ጠምየ ነበርኩ እሞ ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። 43 ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። 44 ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልሱሉ። 45 ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 46 እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

ወንጌል ማቴዎስ 26

1 ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዂሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ 2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪሰቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። 3 ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ። 4 ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ። 5 ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። 6 የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡ 7 ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መአዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8 ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ 9 ንብዙሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ። 10 የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፡ 11 ድኻታትሲ ዂሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኲሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። 12 እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ። 13 እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኽም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14 ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሀል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይሁ፡ 15 ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሌ ኽህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። 16 ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ። 17 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 18 ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኺዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኸፋስግ፡ ይልብ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 19 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ኣስጋውን ኣዳለዉ። 20 ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 21 ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸምዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 22 ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሀዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ። 23 መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ። 24 ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ። 25 እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ፡ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ። 26 ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። 27-28 ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዂልኹም ስተዩ። 29 ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 30 መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። 31 ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 32 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 33 ጴጥሮስ ከኣ፡ ኲሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 34 የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 35 ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኲላቶም ከምኡ በሉ። 36 ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 37 ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጒህን ኪትክዝን ጀመረ። 38 ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጒህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም። 39 ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። 40 ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ 41 ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። 42 ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኸሐልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ። 43 ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። 44 ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። 45 ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ። 46 ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። 47 እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። 48 እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ ኢ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ኢሉ ምልክት ሀቦም። 49 ብኡብኡ ናብ ይሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ። 50 የሱስ፡ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ። 51 እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፊ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ። 52 ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዂሎ ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። 53 ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእክቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 54 ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧ 55 ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጽእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን። 56 እዚ ዂሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዂሎም ሓዲጎምዎ ሀደሙ። 57 እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። 58 ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳኦ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። 59 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን። 60 ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። 61 ኣብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ። 62 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ። 63 እቲ ለቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 64 የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ። 65-66 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፊ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና? እንታይከ ይመስለኩም? በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ። 67 ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡ 68 ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ። 69 ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት። 70 ንሱ ኣብ ቅድሚ ዂሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ። 71 ዓንቀጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም። 72 ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣየልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን። 73 ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ ኣሎ፡ በልዎ። 74 ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75 ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።

ወንጌል ማቴዎስ 27

1 ምስ ወግሔ፡ ኲሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ትማኸሩ። 2 ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ። 3-4 ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕልፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና? ባዕልኻ ትፈልጥ፡ በልዎ። 5 ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ። 6 ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ። 7 ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። 8 ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ። 9-10 እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ 11 የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ በሎ። 12 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን። 13 ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧ በሎ። 14 እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን። 15 እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም። 16 ሽዑ በርባን ዚብሀል ውሩይ ተኣሲሩ ነበረ። 17-18 ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ? በሎም። 19 ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሉኡ መከራ ረኺቡኒ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ። 20 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም። 21 እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ከትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም። 22 ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምብኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኲሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ። 23 እቲ ሹም፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ። 24 ጲላጦስ ዘይምዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ። 25 ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። 26 ሽዑ ንባርባን ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም። 27 ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ። 28 ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። 29 ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጹሉ። 30 ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ። 31 ምስ ኣላገጹሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኡ ኸደንዎ፡ ኪሰቕልዎውን ወሰድዎ። 32 ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ። 33 ጐልጎልታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሜኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ። 34 ምስ ሓሞት እተሖሰ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ። 35 ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ። 36 ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ። 37 እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ። 38 ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ። 39-40 ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 41 ከምኡ ድማ ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ምስ ጸሓትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡ 42 ንኻልኦት ኣድሐኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን። 43 ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ። 44 እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 45 ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። 46 ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ። 47 ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 48 ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 49 ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ። 50 የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። 51 እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። 52 መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። 53 ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንቡዙሓት ከኣ ተራእዩ። 54 እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ። 55 ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን። 56 ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ኣደ ዘብዴዎስውን ነበራ። 57 ምስ መሰየ ድማ። ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ። 58 ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ። 59 የሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ። 60 ንርእሹ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ። 61 ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። 62 ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም። 63 ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና። 64 ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ። 65 ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነውልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ፡ በሎም። 66 ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ።

ወንጌል ማቴዎስ 28

1 ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ። 2 እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ። 3 ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። 4 እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። 5 እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። 6 ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ። 7 ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን። 8 ካብቲ ምቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ። 9 ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነአን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። 10 ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ንሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን። 11 ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዂሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12 ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ከኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡ 13 ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ። 14 እዚ ኣብቲ ሹ እንተ ተሰምዔ፡ ንሓና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም። 15 እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምቲ ዝመሀርዎም ገበሩ። ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ። 16 እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። 17 ምስ ረኣይዎ፡ ሰገዱሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። 18 የሱ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኲሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። 19-20 ስለዚ ኺዱ ንዂሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

ወንጌል ማርቆስ 1

1 መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ። 2 ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ 3 ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ 4 ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ። 5 ብዘላ ሃገር ይሁዳ ኲሎም ሰብ የሩሳሌም ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 6 ክዳን ዮሃብስ ከኣ ጸጒሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቚኡውን ፈልቊ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ። 7-8 ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመነፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ። 9 በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። 10 ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኸወርድ ከሎ ረኣየ። 11 ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 12 መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 13 ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ። 14-15 ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። 16 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም። 17 የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። 18 ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። 19 ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም። 20 ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዐብዎ። 21 ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤተ ጸሎት ኣትዩ መሀረ። 22 ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። 23 ኣብ ቤት ጸሎቶም ዳ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ 24 ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ ኦ እንታይ ኣሎና፡ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 25 የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። 26 እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 27 ኲሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፡ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ። 28 ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ። 29 ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦምም እንድርያስን ኣተወ። 30 ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31 ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም። 32 ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደርዎም ኲሎም ናብኡ ኣምጽኡ። 33 ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። 34 ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 35 ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። 36 ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። 37 ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኲሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ። 38 ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም። 39 ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናውጽኤ ኣብ ኲላ ሃገር ዞረ። 40 ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። 41 የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። 42 እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄኸኣ። 43 የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። 44 ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኲሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን።

ወንጌል ማርቆስ 2

1 ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ ኦ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። 2 ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ዳ ይነግሮም ነበረ። 3 ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጒዕ ናብኡ ኣምጽኡ። 4 ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጸጒዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። 5 የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። 6-7 ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ ኣሎ? ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል? ኢሎም ሐሰቡ። 8 የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 9 ኣየናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጒዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ 10 ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽተልጡ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ 11 ንኣኻ እብለካ ኣሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 12 ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ወጸ፡ ኲሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 13 ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። 14 ኪሐልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። 15 ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዐብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 16 እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕን ዚሰትን፧ በልዎም። 17 የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር፡ ንጻድቓን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም። 18 ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧ በልዎ። 19 የሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ፡ ኪጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። 20 መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም። 21 ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገብ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዚኸውን። 22 ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ አውይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ። 23 ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሐልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪምንቊሱ ጀመሩ። 24 ፈሪሳውያን ድማ፡ ርኤ፡ ስለምንታይ ብሰነት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ፧ በሎው። 25-26 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩን? በሎም። 27 ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። 28 እምብኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።

ወንጌል ማርቆስ 3

1 ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 2 ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። 3 ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። 4 ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5 በቲ ድርቅና ልቦም ጒህዩ፡ ብዂራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። 6 ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮ ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተምኣኸሩ። 7 የሱ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። 8 ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። 9 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም። 10 ንቡዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ምእንቲ ኺርንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ። 11 ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ። 12 ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም። 13 ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። 14 ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡ 15 ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም። 16 ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡ 17 ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጽኣሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ። 18 እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ 19 እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ። 20 ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስኡ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። 21 ኣዝማኡ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ። 22 ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜብል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 23 የሱስ ጸውዎም፡ ብስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧ 24 መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25 ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 26 ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን። 27 ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘብ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ። 28 ንደቂ ሰብ ኲሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። 29 እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ይዂንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 30 ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም። 31 ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ። 32 ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ። 33 መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። 34 ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይን እነዉ። 35 ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዂሉ እዩ፡ በሎም።

ወንጌል ማርቆስ 4

1 ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። 2 ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሀሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ 3 ስምዑ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። 4 ኰነ ኸኣ፡ ኪዘርእ ከሎ፡ ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። 5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ዜብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። 6 ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ። 7 ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዂ ከኣ ዐብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን። 8 ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ዚበቊልን ዚዐብን ፍረ ኸኣ ሀበ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ። 9 ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በለ። 10 ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምስላ ሐተትዎ። 11 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጻኢ ዘለዉ ግና፡ 12 እናረኣዩ ኺርእዩ እሞ ከይስወጦም፡ እናሰዑ ኺሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኲሉ ብምስላ እዩ ዚኸውን። 13 በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎን፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንዂሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧ 14 እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ። 15 እቶም ቃል ኣብ እተዘርኣ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርኤ ቓል ይወስዶ። 16 ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ። 17 ንሽዑ እዮ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ። 18 እቶም ኣብ እሾዂ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ፡ 19 ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣ ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን። 20 እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዚቕበልዎውን ፍረ ኸኣ ዚፈርዩ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ። 21 በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኬንብርዎ ደይኰነን፧ 22 ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስውር ድማ የልቦን። 23 ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 24 ድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ። 25 ንዘለዎ ይወሀቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 26 በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ። 27 ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጦ፡ ይበቊል ይዐቢውን። 28 እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቚሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። 29 ምስ በጽሔ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ይሰድድ። 30 በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ 31 ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኲሉ ዘርኢ ምድሪ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። 32 ምስ ተዘርኤት ከኣ፡ ትበቊል፡ ካብ ኲሉ ኣሕምልቲውን ትዐቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር። 33 ምስማዑ ብዚከኣሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም። 34 ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኲሉ ይገልጸሎም ነበረ። 35 በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። 36 ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። 37 ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። 38 ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣትንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። 39 ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ፡ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። 40 ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፧ በሎም። 41 ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ።

ወንጌል ማርቆስ 5

1 ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። 2 ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። 3 ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቚሕ እኳኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። 4 ብመቚሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቚሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽአለ ከቶ ኣይነበረን። 5 ኲሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። 6 ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዮ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ 7 ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 8 የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። 9 ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። 10 ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። 11 ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። 12 ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። 13 የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። 14 እቶም ጓሶት ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። 15 ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ። 16 እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። 17 ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። 18 ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። 19 የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐአካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። 20 ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኽሰብኽ ጀመረ፡ ኲሎምውን ተደነቑ። 21 ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። 22 ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝሱ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ 23 ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍውሳን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። 24 ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። 25 ካብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። 26 ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኪሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። 27-28 ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ ኽዳኑ ተንከየት። 29 ብኡብኡ ዓይኒ ድማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማም ከም ዝሐወየት ከኣ ብነፍሳ ተፈላጣ። 30 ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። 31 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። 32 ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። 33 እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዂሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። 34 ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ፡ በላ። 35 ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። 36 የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። 37 ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። 38 ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። 39 ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዩን ኣሎኹም፧ በሎም። 40 ሰሐቕዎ ድማ፡ ንሱ ግና ንዂሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለዉን ሒዙ፡ ናብታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ። 41 ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ ኣሎኹ፡ እዩ። 42 እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። 43 ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም።

ወንጌል ማርቆስ 6

1 ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዐብዎ። 2 ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ጀመረ። ብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢዱ ዚግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ፧ 3 እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። 4 የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዐቕን እዩ፡ በሎም። 5 ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኺገብር ኣይኰነሉን። 6 በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሀረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ። 7 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሀቦም። 8 ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም። 9 ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም። 10 ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኡ ተቐመጡ። 11 ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 12 ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ። 13 ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም። 14 ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔ፡ ስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምውታት ተንስኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በለ። 15 ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ንብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ። 16 ሄሮድስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምውታት ተንስኡ፡ በለ። 17-18 ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ሰበይቲ ሓውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰኣ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 19-20 ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን። 21 ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነት፡ ሄሮድስ እተወልዳላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቓታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ። 22 ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ሰምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ። 23 ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላ። 24 ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ። ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ በለታ። 25 ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። 26 እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ሐዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን። 27 ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ። 28 ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሀባ፡ እታ ጓልውን ነዲኣ ሀበታ። 29 ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30 እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡ፡ ዝገበርዎን ዝመሀርዎን ከኣ ኣዛረብዎ። 31 ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢሎኩም፡ ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ፡ በሎም። 32 በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። 33 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረኣይዎም፡ ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኲለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ። 34 የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ። 35 እቲ ጊዜ ኣዝዩ ምስ ሐለፈ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ፡ 36 ዚብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቚሻትን ዓድታትን ከይዶም፡ ንኣታቶም ዚበልዕዎ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 37 ንሱ ግና መሊሱ፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ኪበልዑ ኽንህቦም፧ በብዎ። 38 ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩ፡ በሎም። ምስ ፈለጡ፡ ሓሙሽተን ክልተ ዓሳን፡ በልዎ። 39 ንዂሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም። 40 ከከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41 ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዂሎም መቐሎም። 42 ኲሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። 43 እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዐሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ። 44 እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም። 45 ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተሳይዳ ኪቕድምዎ ብግዲ በሎም። 46 ምስ ኣሰናበቶም፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 47 ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ምእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 48 ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኺሐልፎምውን ደለየ። 49 ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ። 50 ኲሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 51 ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሀድኤ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ። 52 ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን። 53 ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ። 54 ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ኣለለይዎ። 55 ኣብ ኲላ እታ ሃገር ጐየዩ፡ ኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ድኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኺጾርዎም ጀመሩ። 56 ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቚሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ድማ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ዂሉውን ሐወየ።

ወንጌል ማርቆስ 7

1 ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 2 ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሐጽባ ኣእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም። 3 ፈሪሳውያንን ኲሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሐጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ 4 ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሐጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም። 5 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሐጽቡስ እንጌራ ዚበልዑ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 6-7 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኢ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩን፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። 8 ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ ኣሎኹም። 9 ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። 10 ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። 11 ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቚርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎም፡ 12 ደጊም ንቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13 ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም። 14 ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኲልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። 15 ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። 16 እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። 17 ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሐትትዎ። 18 በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንድዚ ደናቚርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዂሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19 ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዂሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ። 20 በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 21 ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ 22 ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጒርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኲርዓት፡ ዕሸነት። 23 እዚ ዂሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። 24 ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። 25 ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት። 26 እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27 የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም ነቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። 28 ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። 29 ንሱ ድማ፡ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ፡ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። 30 ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ። 31 ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ብማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። 32 ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። 33 ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። 34 ናብ ሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸአት፡ ማለት እዩ። 35 ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔ፡ ኣቕኑዑውን ተዛረበ። 36 ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። 37 ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዂሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።

ወንጌል ማርቆስ 8

1 በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 2 እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም፡ ዚብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። 3 ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም፡ ጸሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሳናበትክዎም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፡ በሎም። 4 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧ ኢሎም መለሱሉ። 5 ንሱ ኸኣ፡ ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 6 ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። እተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኪቕርብሎም ሀቦም። ነቶም ህዝቢ ድማ ቐረቡሎም። 7 ሒደት ዓሳ ኸኣ ነበሮም፡ ንእኡ ድማ ባሪኹ ሀቦም፡ ኪቕርቡሎምውን ኣዘዘ። 8 በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ከኣ ሾብዓተ መሶብ ኣልዐሉ። 9 እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኣሳናበቶም። 10 ድሕርዚ ብኡብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ደልማኑታ መጸ። 11 ፈሪሳውያንን ከኣ ወጹ፡ እናፈተንዎ ኻብ ሰማይ ትእምርቲ ኻብኡ ደልዮም ኪካራኸርዎ ጀመሩ። 12 ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ ኣሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሀቦ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 13 ሐዲግዎም ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ኣተወ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ። 14 ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ፡ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ብጀካ ሓንቲ እንጌራ ኣይነበሮምን። 15 ንሱ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ ኢሉ ኣዘዞም። 16 ንሓድሕዶም ድማ፡ እንጌራ ስለ ዜብልና እዩ፡ ኢሎም ሐሰቡ። 17 የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ 18 ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ 19 እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ዓሰርተው ክልተ፡ በልዎ። 20 እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 21 ንሱ ድማ፡ ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ በሎም። 22 ናብ ቤተሳይዳ ኸኣ መጹ። ዕውር ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኪትንክዮ ለመንዎ። 23 ነቲ ዕውር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፡ ገለዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። 24 ቋሕ ኢሉ ድማ፡ ሰባት እርኢ ኣሎኹ፡ ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣሎኹ፡ በለ። 25 ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እምኦ ኣጸቢቑ ጠመተ፡ ሐወየ ንዂሉውን ተቐሊዑ ረኣዮ። 26 የሱስ ከኣ፡ ናብ ዕዲ ኣይትእቶ፡ ኢሉ ናብ ቤቱ ሰደዶ። 27 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧ ኢሉ ሐተቶም። 28 ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ በልዎ። 29 ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ። 30 ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 31 ንወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዝግብኦ፡ ኪምህሮም ጀመረ። 32 ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛርቦ። ጴጥሮስ ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ኺገንሖ ጀመረ። 33 ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ፡ ንጴጥሮስ፡ ኣታ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ኢሉ ገንሖ። 34 ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደአድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። 35 ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሓና እዩ። 36 ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 37 ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧ 38 ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።

ወንጌል ማርቆስ 9

1 ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 2 ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። 3 ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። 4 ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። 5 ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መለሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። 6 ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። 7 ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 8 ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9 ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። 10 ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምውታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። 11 ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 12 ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዂሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዐቕን እዩ። 13 ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበረዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 14 ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢልዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። 15 ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። 16 ንጻሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። 17 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ 18 ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዐፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። 19 ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። 20 ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዐፈረ ኸኣ። 21 የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ 22 ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ግለ ትኽእል እንተ ኼንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። 23 የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ኼንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኲሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። 24 ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ ኣእምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፎ፡ በለ። 25 የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። 26 ገዐረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳኦ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። 27 የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። 28 ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። 29 ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም። 30 ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን። 31 ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ ኣሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም። 32 ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዐልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ። 33 ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። 34 ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35 ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዂሉን ግዙእ ኲሉን ይኹን፡ በሎም። 36 ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡ 37 ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም። 38 ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። 39 የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 40 ዘይበኣሰና ዘበለ ዂሉ ምሳና እዩ። 41 ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 42 ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ። 43-44 ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 45-46 እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 47-48 ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። 49 ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኲሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቅር። 50 ጨው ጽቡቕ እይ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቅርዎ፡ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።

ወንጌል ማርቆስ 10

1 ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሀሮም። 2 ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 3 ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም። 4 ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጽሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ። 5 የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም። 6 ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። 7 ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡ 8 ክልቲኦም ድማ ሕደ ስጋ ይዀኑ። ስለዚ ሐደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። 9 እምብኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። 10 ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሐተትዎ። 11 ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ። 12 እታ ሰብኣይ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም። 13 ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም። 14 የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። 15 ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 16 ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም። 17 ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኸውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። 18 የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን። 19 ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኣሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዐምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ። 20 ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በሎ። 21 የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ። 22 ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሀየ ኸደ። 23 የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም። 24 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ፡ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል። 26 ብዙሕ ተገሪሞም ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ፧ ተባሃሀሉ። 27 የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኲሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ፡ በለ። 28 ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ፡ ኪብሎ ጀመረ። 29 የሱስ መለሰ በለውን፡ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ 30 ሕጂ ኣብዛ ዝመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 31 ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም። 32 ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡እቶም ዚስዕቡ ዘለዉውን ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዚመጾ ዘሎ ኺነግሮም ጀመረ፡ 33 እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍር ዲ ሞት ኪፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። 34 ኬላግጹሉ፡ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎ፡ ኪቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። 35 ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገበረልና ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። 36 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 37 ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማንካ ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሀበና፡ በልዎ። 38 የሱስ ግና፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም። 39 ንሳቶም ከኣ፡ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ትምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም። 40 ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 41 እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ኪናደዱ ጀመሩ። 42 የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቚጸሩ ኸም ዚግዝእዎም፡እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ ኣሎኹም። 43 ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 44 ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዂሉ ይኹን። 45 ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም። 46 ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተዉ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕውር ወዲ ጤሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 47 የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኢሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፡ ኪብል ጀመረ። 48 ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፡ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። 49 የሱስ ድማ ደው ኢሉ፡ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕውር ከኣ ጸዊዖም፡ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ፡ በልዎ። 50 ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ። 51 የሱስ ድማ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕውር ከኣ፡ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። 52 የሱስ ከኣ፡ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዐቦ።

ወንጌል ማርቆስ 11

1 ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤትፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2 በሎምውን፡ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። አቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። 3 ገለ ሰብ፡ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ። 4 ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኽብዎ ፈትሕዎውን። 5 ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለው ሓያሎ ኸኣ፡ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በልዎም። 6 ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሐደግዎም። 7 ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ። 8 ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ። 9 ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። 10 እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 11 የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንዂሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ። 12 ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ። 13 ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። 14 መሊሱ ድማ፡ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ። 15 ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 16 ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤት መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡ 17 ቤተይ ንዂሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሀሮም። 18 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 19 ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ። 20 ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። 21 ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ፡ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ። 22 የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። 23 ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24 ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25 ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሕደገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። 26 ንስኻትኩም እንተ ዘይሀደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ። 27 ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪመላለስ ከሎ፡ ሊቓውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡ 28 በየናይ ስልጣን እዝ ትገብር ኣሎኻ፧ ወይስ እዚንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ። 29 የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 30 ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ። 31 ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ኪብለና እዩ። 32 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ንዮሃንስ ኲሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ፈርሁ። 33 ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።

ወንጌል ማርቆስ 12

1 ብምስላ ድማ ኪብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ። 2 ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ። 3 ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደዱዎ። 4 ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ። 5 ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። 6 ገና ዜፍቅሮ ሓደ ወዱ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ፡ እስኪ ንወደይ እንተ ሐፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ። 7 እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ኪኸውን፡ ተባሃሀሉ። 8 ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ። 9 እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። 10-11 እታ፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም? 12 ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሐዲጎምዎ ኸዱ። 13 ብዘረባ ኺጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄረድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ። 14 መጺኦም ድማ፡ መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር ኣሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ ኣሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብዚ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሀብዶ ኣይንሀብ፧ በልዎ። 15 የሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምኡለይ፡ በሎም። 16 ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ፡ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። 17 የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም። 18 ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሐተትዎ፡ 19 መምህር፡ ሓው ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሐደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓው ይውረሳ እሞ፡ ንሓው ዘርኢ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና። 20 ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ውሉድ ከይሐደገ ኸኣ ሞተ። 21 እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ሐድጊ ኸይሐደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኸምኡ። 22 ሾብዓቲኦም ከኣ ሐድጊ ኣይሐደጉን። ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23 ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 24 የሱስ ከኣ፡ መጻሕቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ 25 ካብ ምውታት ምስ ተንስኡስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚኸኑ እምበር፡ ኣየእትውን ኣየተኣታትውን እዮም። 26 ብዛዕባ ምውታት ከም ዚትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27 ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምውታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኹም ትስሕቱ ኣሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም። 28 ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፡ኣካብ ኲለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ። 29 የሱስ መለሰ፡ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፡ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። 30 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ዂሉ ሓሳብካን ብዂሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። 31 እታ ኻልኣይታ እትመስላ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን። 32 እቲ ጻሓፊ ኸኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። 33 ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዂሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኲሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዐቢ እዩ፡ በሎ። 34 የሱስ ድማ። በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ፡ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ ደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን። 35 የሱስ ድማ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን፡ ጻሓፍቲ ኸመይ ኢሎም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዚብሉ፧ 36 ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳኦ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል። 37 ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዚብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ። 40 ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ኬምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑ። እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። 38-39 ብምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ኪሳለምዎም ዚፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 41 የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። 42 ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። 43 ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጻዋት ዘውደቑ ዂሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 44 ኲሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዂሉ ምግባ እያ ዝሀበት፡ በሎም።

ወንጌል ማርቆስ 13

1 ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ። 2 የሱስ ድማ፡ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3 ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡ 4 እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዂሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እይ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 5 የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸይስሕተኩም ተጠንቀቑ። 6 ብዙሓት፡ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም። 7 ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 8 ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10 ቅድም ንዂሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። 11 መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሀበኩም ደኣ ተዛረቡ። 12 ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣህሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ና ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። 13 ምእንቲ ስመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድሕን እዩ። 14 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኩም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ። 15 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። 16 ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17 በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። 18-19 ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። 20 እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። 21 ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። 22 ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 23 ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ፡ ኣቐዲመ ዂሉ ነገርኩኹም። 24 በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። 25 ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። 26 ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። 27 ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኽልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ። 28 ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም። 29 ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኸም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ፡ ፍለጡ። 30 እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 31 ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። 32 ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላልእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። 33 እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥውን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። 34 ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፡ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሀቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ። 35-36 እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ንቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂሰኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። 37 እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዂሉ እብሎ ኣሎኹ፡ ንቕሑ።

ወንጌል ማርቆስ 14

1 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ። 2 ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዐልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። 3 ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 4 ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ፡ ንምንታይ እዚ ጥፍኣይ ቅዱስይ ቅብኢ ዀነ፧ 5 እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። 6 የሱስ ግና፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። 7 ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። 8 ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። 9 እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም፡እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 10 ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። 11 ሰሚዖም ተሐጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ። 12 በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 13 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዐብዎ። 14 ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 15 ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። 16 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። 17 ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። 18 ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 19 ኪጒህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። 20 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። 21 ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ። 22 ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም። 23 ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኲሎምውን ካብኣ ሰተዩ። 24 ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። 25 ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 26 መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። 27 የሱስ ድማ፡ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 29 ጴጥሮስ ድማ፡ ኲሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። 30 የሱስ ድማ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 31 ሽዑ ንሱ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛርበ። ኲሎምውን ከምኡ በሉ። 32 ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 33 ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጒን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፡ 34 ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጒሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም። 35 ቅሩብ ንቕድሚት ሕል ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፡ 36 ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኲሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ። 37 መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ፡ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣለካን፧ 38 ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። 39 ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። 40 ተመሊሱ ኸኣ፡ ኣዒንቶምባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጥን ነበሩ። 41 ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፡ ደጊም ደቅሱ ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ። 42 ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። 43 ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። 44 እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሀቦም። 45 መጺእሪ ድማ ብኡብኡ ንብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዐሞ። 46 ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ። 47 ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፊ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ። 48 የሱስ ድማ። ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ 49 ኣብ ቤት መቕደስ እናመሀርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 50 ኲሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሀደሙ። 51 ነጸላ እተኸድነ ጐአዝ ድማ ሰዐቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ። 52 ንሱ ግና ነጻላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሀደመ። 53 ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 54 ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። 55 ሊቃውንቲ ኻህናት ኲሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። 56 በዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን። 57 ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፡ 58 ኣነ ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ተንስእዎ። 59 ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን። 60 እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፡ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ። 61 ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። 62 የሱስ ድማ፡ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። 63 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧ 64 ምጽራፍ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኲሎም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረፉ። 65 ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጒስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። 66 ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት። 67 ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ። 68 ንሱ ግና፡ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ። 69 እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። 70 ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፡ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ። 71 ንሱ ግና፡ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። 72 ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሐሲቡ በኸየ።

ወንጌል ማርቆስ 15

1 ምስ ወግሔ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሀብዎ። 2 ጶላጦስ ድማ፡ ንስኻዶ ንጉስ ይሁዳ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3 ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ። 4 ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ፡ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። 5 የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 6 በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ። 7 ምስቶም ጋሮ ዝገብሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተሉ፡ በርባን ዚብሀል ተኣሲሩ ነበረ። 8 እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። 9-10 ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም? ኢሉ መለሰሎም። 11 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም። 12 ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ፡ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 13 ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14 ጲላጦስ ከኣ፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም፡ ስቐሎ፡ በሉ። 15 ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሀቦም። 16 እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ። 17 ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡ 18 ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ኪነስኡሉ ጀመሩ። 19 ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ። 20 ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎውን ኣውጽእዎ። 21 ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስ ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኺኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኺጸውር ብግዲ ወሰድዎ። 22 ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ ትርጓሚኣ፡ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ወሰድዎ። 23 ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ ድማ ሀብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን። 24 ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ። 25 እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። 26 ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። 27 ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። 28 እቲ፡ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ። 29-30 እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲውን እትሀንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 31 ከምእሪ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍቲ ንሓድሕዶም፡ ንኻልኦት ኣድሓነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን፡ 32 ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጹሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጹሉ ነበሩ። 33 ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። 34 ብታስዐይቲ ሰዓት ይሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። 35 ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ፡ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 36 ሓደ ጐይዩ፡ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብሰፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 37 ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። 38 መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳኦ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39 እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ። 40 ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ። 41 ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዐባኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን። 42 ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡ 43 ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ። ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ። 44 ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሐተቶ። 45 ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድኤ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሀቦ። 46 ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዐዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዐጸዎ። 47 ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።

ወንጌል ማርቆስ 16

1 ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ። 2 ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ። 3 ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ። 4 እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። 5 ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጺ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። 6 ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። 7 ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። 8 ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሀደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን። 9 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። 10 ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። 11 ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን። 12 ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። 13 ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን። 14 ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። 15 በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። 16 ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ። 17 ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ 18 ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም። 19 ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። 20 ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።

ወንጌል ሉቃስ 1

1 ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዚጅምሩ፡ 2 እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡ 3-4 ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዂሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሀርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ። 5 ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዚብሀል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሀል ሰበይቲ ነበረቶ። 6 ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጒድለት ዚኸዱ ነበሩ። 7 ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ። 8 ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ኪገብር ከሎ፡ 9 ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ኪዐጥን ብዕጭ በጽሖ። 10 በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ኲሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። 11 በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ። 12 ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ። 13 እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፡ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። 14 ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም። 15 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዀሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ። 16 ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ። 17 ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ። 18 ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፧ በሎ። 19 እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣክኩ። 20 እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳብ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ። 21 እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም። 22 ምስ ወጸ ድማ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ። 23 ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። 24-25 ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት። 26-27 ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሀል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።28 እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፡ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። 29 ንሳ ድማ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፡ ኢላውን ሐሰበት። 30 እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 31 እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። 32 ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። 33 ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። 34 ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፡ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧ በለቶ። 35 እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ። 36-37 እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ - ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትበሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። 38 ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ። 39 በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። 40 ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41 ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ 42 ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፡ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። 43 ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ 44 እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። 45 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ። 46 ማርያም ድማ በለታ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ 47-49 መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። 50 ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። 51 ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዂሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። 52 ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። 53 ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። 54-55 ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። 56 ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት። 57 ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሔ ወዲውን ወለደት። 58 ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሐጐሱ። 59 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ። 60 ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዚስመ፡ ኢላ መለሰት። 61 ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ። 62 ነቦኡ ድማ፡ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ እናኣመልከቱ ሐተትዎ። 63 ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ። ኲሎም ከኣ ተገረሙ። 64 ብኡብኡ ኣፉ ተኸፍተ፡ ልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። 65 ኣብ ኲሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኲላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡ 66 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት። 67 ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚኢሉውን ተነበየ፡ 68 ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 69-70 ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡ 71 ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኲሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና፡ 72 ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ፡ 73 እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ ኺህበና፡ 74-75 ብቕድስናን ብጽድቅን ብዂሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና። 76-77 ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ። 78-79 ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ። 80 እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።

ወንጌል ሉቃስ 2

1 ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዂሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀንት ቀዳመይቲ ጽሐፈት እያ። 3 ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኲሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4-5 ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት - ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ። 6 ኰነ ድማ፡ ኣብኡ ኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። 7 በዂሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። 8 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። 9 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። 10-11 እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 12 ምልክት ድማእዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። 13-14 ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። 15 ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤትልሄም ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። 16 ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። 17 እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18 ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19 ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዂሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። 20 እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኲሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ። 21 ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ። 25 እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሀል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። 26 ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። 27 ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ 28 ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፡ 33 ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34 ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። 35 ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ። 36 ካብ ወሰን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፈኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ንበርት። ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37 ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38 ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዂሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39 ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኲሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። 40 እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ። 41 እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42 ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናይ የሩሳሌም ደየቡ። 43 እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን። 44 ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45 ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 46 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ። 47 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። 48 ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጉሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። 49 ንሱ ኸኣ፡ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። 50 ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዐልዎን። 51 ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዂሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። 52 የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቚመትን ብጸጋን ዐበየ።

ወንጌል ሉቃስ 3

1 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶጽ ሓው ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡ 2 ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። 3 ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኲሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ። 4 ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዚብል፡ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዚእውጅ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ። 5 ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኲርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን። 6 ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ። 7 ነቶም ንሱ ኼጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፡ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሐበረኩም፧ 8 እምብኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚኤን ንኣብርሃም ውሉድ ኬተንስእሉ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ምባል ኣይትጀምሩ። 9 ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ስሩ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ። 10 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንታይ እሞ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። 11 ንሱ ኸኣ፡ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም። 12 ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፡ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። 13 ንሱ ኸኣ፡ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሐለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። 14 ዓቀይቲውን፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም። 15 እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኲሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡ 16 ዮሃንስ መለሰ ንዂሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። 17 መስኤኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ። 18 ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዐዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም። 19 ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡ 20 ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዐጸዎ። 21 ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዂሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። 22 መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ። 23 የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡ 24 ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡ 25 ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ፡ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡ 26 ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዮስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 27 ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡ 28 ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡ 29 ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡ 30 ወዲ ስምኦን፡ ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡ 31 ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡ 32 ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡ 33 ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 34 ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡ 35 ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡ 36 ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜኽ፡ 37 ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡ 38 ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።

ወንጌል ሉቃስ 4

1 የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ። 2 ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲአተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ። 3 ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ። 4 የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዂሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5 ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኲላ ዓለም ኣርኣዮ። 6 ሽዑ ድያብሎስ፡ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ 7 ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኲሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። 8 የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ። 12 የሱስ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13 ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ። 14 የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ። 15 ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ። 16 ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ። 17 መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ 18 ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ 19 ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። 20 ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ። 23 ንሱ ድማ፡ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፡ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም። 24 በለ ኸኣ፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25 ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ስለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡ 26 ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን። 27 ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን። 28 ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ። 29 ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሊ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። 30 ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ። 31 ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። 32 ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። 33 ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፡ 34 ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 35 የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 36 ኲሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ እዚ ነገርዝስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ። 37 ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ። 38 ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበርት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ። 39 ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሶኣ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልግለቶም። 40 ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ሕሙማት ናብኣ ኣምጽኡ፡ ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም። 41 ኣግንንቲውን፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉን እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 42 ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ። 43 ንሱ ግና፡ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም። 44 ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።

ወንጌል ሉቃስ 5

1 ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። 2 ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ክልተ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ። 3 ካብተን ጃላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። 4 ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቚ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ። 5 ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 6 እዚ ምስ ገበሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ። 7 ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግግዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ መልእወን። 8-10 ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11 ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዂሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ። 12 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ። 13 የሱስ ድማ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ። 14 ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ። 15 ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሓማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ። 16 ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ። 17 ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኲሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቐሚጦም ነበሩ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ። 18 እንሆ ድማ፡ ሰባት መጻጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። 19 ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትውዎ እንተ ጨነቖም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ። 20 እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ኣሎ፡ በሎ። 21 ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ እዚ ጻርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፧ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእል፧ ኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ። 22 የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፡ ብልብኹም እንታይ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 23 ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡ 24 ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 25 ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ። 26 ኲሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፡ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም። 27 ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዚብሀል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። 28 ተንሲኡ ኸኣ ንዂሉ ሓዲጉ ሰዐቦ። 29 ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ። 30 ፈሪሳውያንን ጻሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን ኣሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም። 31 የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 32 ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። 33 ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፡ በልዎ። 34 የሱስ ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧ 35 ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጾሙ እዮም፡ በሎም። 36 ምስላ ድማ መሰለሎም፡ ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቊራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ። 37 ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገዊ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይበላሾ። 38 ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ። 39 ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።

ወንጌል ሉቃስ 6

1 ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሐዉ፡ በእዳዎም እናሐሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ። 2 ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎኸም፧ በልዎም። 3 የሱስ ከኣ፡ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡ 4 ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብኤ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዔ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም። 5 ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም። 6 ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሀረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 7 ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እስኪ ብሰንበር እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 8 ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ። 9 የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢለ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 10 ናብ ኲሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። 11 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ። 12 ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ። 13 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡ 14 ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡ 15 ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተባህለ ስምኦንን፡ 16 ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 17 ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በማላ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ኪሰምዖው ኻብ ሕማሞምውን ኪሐውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ። 18 እቶም ብርኹሳት መናስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሐወዩ። 19 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኲላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዩም። 20 ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣት ኢኹም። 21 ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 22 ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኹም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጽኡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። 23 እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኸም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። 24 ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኺም እሞ፡ ወይለኸም። 25 ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። 26 ኲሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 27 ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። 28 ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። 29 መልትሕካ ንዝወቕዓካን እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። 30 ንዝለመነካ ዘበለ ሀብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። 31 ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኪም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። 32 ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ 33 ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34 ኪፈድዩኺም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። 35 ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። 36 ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። 37 ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኲነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። 38 ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋርወ መስፈሪ ኣብ ሕቚፍኹም ኪህቡኹም እዮም። 39 ብምስላ ኸኣ በሎም፡ ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጒድጓድ ኣይወድቁን፧ 40 ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዂሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን። 41 ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ግና ዘይተሰብህል፧ 42 ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጒንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ። 43 ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ረ ዚፈሪ የልቦን። 44 ኲሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዂ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ። 45 ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። 46 ስለምንታይ ደኣ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ 47 እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዂሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ፡ 48 ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዐተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። 49 እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።

ወንጌል ሉቃስ 7

1 ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናይ ቅፍርናሆም ኣተወ። 2 ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ። 3 ወረ የሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኺ ለመኖ። 4-5 ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። 6 የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም። 7 ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ። 8 ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለዉኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 9 የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዐብዎ ህዝቢ፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 10 እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ። 11 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። 12 ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምውት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። 13 ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፡ ኣይትብከዪ፡ በላ። 14 ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 15 እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሀባ። 16 ንዂሎም ፍርሃት ሐዞም፡ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 17 እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ። 18 ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዂሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ። 19 ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። 20 እቶም ሰብ ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ድኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ። 21 ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሀቦም። 22 የሱስ ከኣ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። 23 ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 24 እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧ 25 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑ ሰብኣይዶ፧ እንሆ፡ ብኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ። 26 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዐቢ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 27 እቲ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ። 28 ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዐብዮ። 29 ኲሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። 30 ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዐቕዎ። 31 እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧ 32 ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ። 33 ዮሃንስ መጥምቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። 34 ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 35 ጥበብ ግና ብዂሎም ደቃ ጸደቐት። 36 ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37 እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቓጥ ኣምጽኤት። 38 ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። 39 እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ ምዃና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። 40 የሱስ ከኣ፡ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። 41 ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። 42 ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ 43 ስምኦን ከኣ፡ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ። 44 ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሀብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘት። 45 ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዐረፈትን። 46 ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። 47 ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘርቀረት፡ ንኣእ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር። 48 ንእኣ ድማ፡ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። 49 እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፡ እዚ፡ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። 50 ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።

ወንጌል ሉቃስ 8

1 ድሕርዚ ድማ፡ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። 2-3 ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። 4 ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ 5 ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። 6 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። 7 ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዅ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ። 8 ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቘለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፡ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ። 9 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 10 ንሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 11 እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፡ እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ እዩ። 12 እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። 13 እቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ። 14 እቲ ኣብ እሾዂ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። 15 እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቚርዎ፡ ብትዕስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም። 16 ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕ ቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። 17 ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስውር ከኣ የልቦን። 18 እምብኣርከ ንዘለዎ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ። 19 ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። 20 ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 21 ንሱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም። 22 ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፡ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። 23 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም። 24 ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። 25 ሽዑ፡ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፡ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሀሉ ተደነቑ። 26 ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። 27 ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። 28 ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፡ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 29 ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቚሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሀለው የብሎ ነበረ። 30 የሱስ ከኣ፡ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ለጌዎን፡ በለ። 31 ናብ መዓሙቚ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። 32 ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። 33 እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጻድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ። 34 እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። 35 እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። 36 እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም። 37 እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ። 38 እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ 39 ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። 40 ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኲሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቐበልዎ። 41 እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ። 42 ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ። 43 እንሃ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኲሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። 44 ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። 45 የሱስ ከኣ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኲሎም፡ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዀይኑ፡ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕጡኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። 46 የሱስ ግና፡ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ ኣሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ፡ በሎ። 47 እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሐብኤት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ። 48 ንሱ ኸኣ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። 49 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጾ። 50 የሱስ ሰሚዑ፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51 ኣብታ ቤት ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። 52 ኲሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፡ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። 53 ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ። 54 ንሱ ኸኣ ንዂሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ብኢዱ ሒዙ ዐው ኢሉ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ በለ። 55 ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ። 56 ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።

ወንጌል ሉቃስ 9

1 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም። 2 መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም። 3 በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም። 4 ኣብታ ዝኣተኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። 5 ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። 6 ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዘሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኲሉውን የሕውዩ ነበሩ። 7 ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብእኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋላወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ 8 ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። 9 ሄሮድስ ከኣ፡ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ። 10 ሃዋርያት ድማ ምስ ተመልሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። 11 እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዐብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም። 12 ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፡ ኣብዚ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 13 ንስኻትኩም ዚብላዕ ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዂሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። 14 ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። 15 ከምኡ ገበሩ ንዂሎምውን ኣቐመጥዎም። 16 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኼቕርቡሎም ሀቦም። 17 ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። 18 ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፡ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም። 19 ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። 20 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 21 ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፡ 22 ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። 23 ንዂሎም ከኣ፡ ደድሕርይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። 24 ምድሓን ንፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍእ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። 25 ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 26 ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐር እዩ። 27 ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 28 ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 29 ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። 30 እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛረቡ ነበሩ። 31 ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። 32 ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። 33 ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። 34 ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። 35 ካብቲ ደበና ድማ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 36 እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ንየሱስ በይኑ ረኸብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቕነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን። 37 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። 38 እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ። 39 እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠርዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቐጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ። 40 ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። 41 የሱስ ከኣ፡ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጽኣዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 42 ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሀቦ። 43 ኲላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኲላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዂሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ 44 ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሀብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ፡ በሎም። 45 ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዐልዋን፡ ከየስተብሀልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎዉን ፈርሁ። 46 ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። 47 የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡ 48 ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኲልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ። 49 ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዐበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50 የሱስ ከኣ፡ ዘይካራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ። 51 ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገሩ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። 52 ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰማርያ ኣተዉ። 53 ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። 54 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። 55-56 ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። 57 ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፡ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። 58 የሱስ ከኣ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። 59 ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 60 የሱስ ድማ፡ ምውታት ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። 61 ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። 62 የሱስ ግና፡ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።

ወንጌል ሉቃስ 10

1 ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2 በሎም ከኣ፡ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። 3 መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። 4 ማሕፋዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። 5 ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን፡ በሉ። 6 ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኣ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። 7 ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8 ኣብ ዝኣቶኹምዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ። 9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። 10 ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባያ ወጺእኩም፡ 11 እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም ኣሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ፡ በሉ። 12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ። 13 ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 14 ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐልል እዩ። 15 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። 16 ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ። 17 እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። 18 በሎም፡ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። 19 እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኲሉ ሓይሊ ጽላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን። 20 ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ። 21 በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፡ ኣቦይ ጐያ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 22 ኲሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ በዝይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 23-24 ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 25 እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ። 26 ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ከመይሲ ተንብብ፡ በሎ። 27 ንሱ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 28 ንሱ ኸኣ፡ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። 29 ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፡ ብጻየይከ መን እዩ፧ በሎ። 30 የሱስ መሊሱ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምውት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31 ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። 32 ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። 33 ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34 ናብኡ ቐሪቡ ኣቚሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 35 ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፡ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ፡ በሎ። 36 ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ 37 ንሱ ድማ፡ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ። 38 ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39 ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40 ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። 41 የሱስ ድማ፡ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጒህይን ኣሎኺ። 42 እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።

ወንጌል ሉቃስ 11

1 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮም፡ ምጽላይ ምሀረና፡ በሎ። 2 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 3 ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና። 4 ንሕና ንዝበደሉና ዂሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ፡ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ። 5-6 በሎም ድማ፡ መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ 7 እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጒሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። 8 ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 9-10 ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺወሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11 ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ 12 ወይስ እንቋቚሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ 13 እምብኣርሲ ስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧ 14 ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ። 15 ገሊኦም ግና፡ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 16 ካልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። 17 ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፈላለየት፡ ትወድቕ እያ። 18 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፋላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 19 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 20 ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት። 21 እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን። 22 ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዐሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ። 23 ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ። 24 ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። 25 ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። 26 ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ኻልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ። 27 ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰብይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፡ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣን እየን፡ በለቶ። 28 ንሱ ግና፡ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልዉዎን ደኣ እዮም፡ በላ። 29 እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፡ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። 30 ከምቲ ዮናስ ንስብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ። 31 ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽ ትኵንኖም እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 32 ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዂንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 33 ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን። 34 ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን። 35 እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። 36 ኲሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃን ዜብርሃልካ፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ። 37 ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 38 እቲ ፈሪሳዊ ቕድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። 39 ጐይታ ኸኣ በሎ፡ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። 40 ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባኑ ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ 41 ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ህቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዂሉ ጽሩይ ይዀነልኩም። 42 ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኲሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ። 43 ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 44 ኣቱም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርኤን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሉኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 45 ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፡ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና ኣሎኻ፡ በሎ። 46 ንሱ ኸኣ በለ፡ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 47 ንስኻትኩም መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኣሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 48 ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ ኣሎኹም። 49 ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፡ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጒዎምን ኣለዉ። 50-51 ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 52 ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 53 እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ። 54 ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፉ ደልዮም እናተጻናተዉ ብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።

ወንጌል ሉቃስ 12

1 ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸብሎም ጀመረ፡ ቅድሚ ዂሉ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ። 2 ግናኸ ስውር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። 3 ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሽጢ ብሕሽዂሽዂ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎ ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበኽ እዩ። 4 ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፡ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም። 5 ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፡ ነቲ፡ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍሩ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 6 ሓሙሽተ ዕፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። 7 ንስኻትኩምሲ ዂለን ጸጒሪ ርእስኹም እኳ ቚጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። 8 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዂሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። 9 እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዂሉ ኸኣ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11-12 ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። 13 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፡ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። 14 ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧ በሎ። 15 ንሱ ኸኣ፡ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኲሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። 16 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። 17 ብልቡ ኸኣ፡ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። 18 ንሱ ድማ፡ ከምዚ እገብር፡ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኲሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። 19 ንነፍሰይውን፡ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። 20 ኣምላኽ ግና፡ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። 21 እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ። 22-23 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ እብልኩም ኣሎኹ። 24 ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፡ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። 25 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቚመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 26 እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧ 27 ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዪ ኣስተብህሉ፧ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 28 ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ 29 ንስኻትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትደለዩን ኣይትጨነቑን። 30 ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ዂሉ ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጦ እዩ። 31 መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። 32 ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። 33-34 ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሀቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፋዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ። 35 ሓቛቚኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 36 ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። 37 እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 38 ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። 39 ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40 ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ። 41 ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ ወይስ ንዂሉ ኢኻ፧ በሎ። 42 ጐይታ ኸኣ በለ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ 43 እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። 44 ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 45 እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ 46 ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ። 47 እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ኺግረፍ እዩ። 48 እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም። 49 ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሎኹ፧ 50 ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸበኒ። 51 ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 52 ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለስተ ኺፋላለዩ እዮም። 53 ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ። ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም። 54 ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፡ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። 55 ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፡ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56 ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧ 57 ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፡ 58 ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድካ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይሀበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። 59 እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፧ እብለካ ኣሎኹ።

ወንጌል ሉቃስ 13

1 በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። 2 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኲሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ 3 ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 4 ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዂሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩ፧ 5 ኣይፋሎም፡ እነ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 6 እዚ ምስላዚ ኸኣ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። 7 ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኸብኩላን። ቊረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተበላሹ ኣላ፧ በሎ። 8 ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዂስኲሳ፡ ድኸዒ ኽሳዕ ዝድኲዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። 9 ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 10 ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። 11 እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጕቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። 12 የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። 13 ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። 14 እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝበ፡ ኪዕየየን ዚጋእ ሹድሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምብኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም። 15 ጐይታ ግና፡ ኣታ ግቡዝ፡ ካባኻትኹምከ ዂሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ 16 እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ኻብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመኦኣልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። 17 እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዂሎም ሓፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዂሉ መስትንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ። 18 ድሕርዚ በለ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ 19 ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ። 20 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ 21 ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ እያ እትመስል፡ በለ። 22 ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን እናመሀረ ይመላለስ ነበረ። መገዱ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕኒዑ ነበረ። 23 ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧ በሎ። 24 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። 25 ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰልኩም እዩ። 26 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ ባሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27 ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዂላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኪብል እዩ። 28 ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዂሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 29 ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 30 እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ። 31 በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ። 32 ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፡ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውደእ ኣሎኹ። 33 ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጻባሕን ክመላለስ ይግብኣኒ እዩ፡ በልዋ። 34 የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ድርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝይደሌኹ እሞ ኣቤኸም። 35 እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ።

ወንጌል ሉቃስ 14

1 ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓላቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኺበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 2 እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3 የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም። 4 ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን። 5 መሊሱ ድማ በሎም፡ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቐ፡ ብእኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧ 6 ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ። 7 ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ 8 ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዐደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ 9 እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፡ እዛ ስፍራ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። 10-11 ርእሱ ዜዕቢ ዂሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ፡ እንተ ተዐደምካ፡ እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዂሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ። 12 ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፡ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። 13 ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14 ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ። 15 ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ። 16 ንሱ ኸኣ በሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓትውን ዐደመ። 17 ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ፡ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸ። 18 ኲሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፡ ግራት ዐዲገ ኣሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19 እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዐዲገ ኣሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምንካ ኣሎኹ፡ በሎ። 20 እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ሰበይቲ ኣእትየ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ አሎ። 21 እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ። 22 እቲ ባርያ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ግና ኣሎ፡ በሎ። 23 እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጽእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ። 24 ካብቶም እተዐደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25 ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፡ 26 ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። 27 መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን። 28-30 ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ? 31 ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ 32 እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። 33 ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዘበለ ዂሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። 34 ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው፡ መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ 35 ንወጻኢ ይጒሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

ወንጌል ሉቃስ 15

1 ኲሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። 2 ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፡ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጒረምረሙ። 3 እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ 4 ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 5 ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። 6 ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፡ ነታ ዝጠፍአትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። 7 ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 8 ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዂስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ 9 ምስ ረኸበታ ድማ፡ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን። 10 ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11 በለ ድማ፡ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12 እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፡ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሀበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። 13 ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዂሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። 14 ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። 15 ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዐለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። 16 ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። 17 ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፡ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። 18 ተንስኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። 19 ደጊም ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። 20 ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። 21 እቲ ወዲ ድማ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። 22 ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23-24 እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። 25 እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀርበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። 26 ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። 27 ንሱ ኸኣ፡ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪዱሉ፡ በሎ። 28 ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29 ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሀብካንን። 30 እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። 31 ንሱ ኸኣ፡ ወደይ፡ ንስኻስ ኲሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32 እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ፡ በሎ።

ወንጌል ሉቃስ 16

1 ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፡ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። 2 ጸዊዑ ኸኣ፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሀበኒ፡ በሎ። 3 እቲ ኣዛዝ ኸኣ ብልቡ፡ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ 4 ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዐረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 5 ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎካ፡ በሎ። 6 ንሱ ኸኣ፡ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። 7 ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፡ ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፡ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። 8 ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጾኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዘገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ። 9 ኣነ ኸኣ፡ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኸምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። 11 እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ 12 ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ 13 ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 14 እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዂሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። 15 በሎም ድማ፡እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። 16 ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኲሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ። 17 ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቚጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል። 18 ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ። 19 ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20 ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን ብቚስሊ ተወሩሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። 21 ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቊስሉ ይልሕሱ ነበሩ። 22 ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። 23 ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቚፉ ረኣዮ። 24 ጸዊዑ ኸኣ፡ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሐረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። 25 ኣብርሃም ግና፡ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። 26 ምስናይ እዚ ዂሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። 27-28 ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 29 ኣብርሃም ድማ፡ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። 30 ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በለ። 31 ንሱ ድማ፡ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

ወንጌል ሉቃስ 17

1 ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። 2 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባህሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ። 3 ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕስሰ፡ ሕደገሉ። 4 ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ። 5 ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፡ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። 6 ጐይታ ኸኣ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። 7 ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመት፡ ዚብሎ መን ኣሎ፧ 8 ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፧ 9 ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። 10 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዂሉ ምስ ገበርኩም፡ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ። 11 ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ። 12-13 ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ። 14 ንሱ ርእይዎም፡ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ። በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። 15 ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ። 16 እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። 17 የሱስ ግና፡ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፡ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ 18 ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እትመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ። 19 ደሓር ከኣ፡ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 20-21 ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ? ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም። 22 ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፡ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። 23-24 መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልኣ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ኪብሉኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዐብዎምውን። 25 ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዐቕ ብግዲ እዩ። 26 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። 27 ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትውን የተኣታትዉን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዂሎምውን ኣጥፍኤ። 28 ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፡ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡ ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ። 29 በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዂሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። 30 በታ ወዲ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 31 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። 32 ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33 ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ። 34 በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኸውሰድ፡እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 35 ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። 36 ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 37 መሊሶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፡ ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።

ወንጌል ሉቃስ 18

1 ከይቀበጹ ዂሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ ፡ ብምስላ ተዛረቦም ፡ ከምዚ ኢሉ ፡ 2 ኣብ ሓንቲ ኸተማ ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ ። 3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት ፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ ፡ ምስ እዚ መባእስትይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ ፡ ትብሎ ነበረት ። 4 እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ ። ድሕርቲ ግና ብልቡ ፡ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ ፡ 5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየኒስ ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ ፡ በለ ። 6 ጐይታ በለ ፡ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ ። 7 ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ ፧ ይጽመሞዶኸ ፧ 8 ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና ፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ ፧ 9 ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፡ 10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11-12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። 14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኲሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጻዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 15 ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። 16 የሱስ ግና ጸዊዑ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ ኣይትኸልክልዎም። 17 ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 18 ሓደ መራሒ ድማ፡ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። 19 የሱስ ከኣ፡ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፧ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን። 20 ነተን፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ። 21 ንሱ ኸኣ፡ ነዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በለ። 22 የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዐበኒ፡ በሎ። 23 ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሀየ። 24 የሱስ ዝቡሕ ምጒሃዩ ርእዩ፡ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ። 26 እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፧ በሉ። 27 ንሱ ኸኣ፡ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣሎ እዩ፡ በሎም። 28 ሽዑ ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዂሉ ሐዲግና ስዒብናካ ኣሎና፡ በሎ። 29-30 ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 31 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዂሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። 32 ነግዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፡ 33 ገሪፎም ድም ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። 34 ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዐሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ። 35 ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕውር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36 እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ። 37 የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሐልፍ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 38 ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ጨርሔ። 39 እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ። 40-41 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ? ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። 42 የሱስ ድማ፡ ርኤ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 43 ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዐቦ። እቶም ህዝቢ ዂሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።

ወንጌል ሉቃስ 19

1 የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእአ ሐለፈ። 2 እንሆ፡ ዘኼዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። 3 ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቊመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ፡ ምኽኣል ሰኣነ። 4 ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ። 5 የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፡ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። 6 ቀልጢፉ ወረደ ተሐጒሱውን ተቐበሎ። 7 እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኲላቶም ኣዕዘምዘሙ። 8 ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። 9-10 የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ንስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ። 11 ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ። 12 ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13 ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሀቦም። 14 ድቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ። 15 ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሀቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። 16 እቲ ቐዳማይ፡ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። 17 ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 18 እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። 19 ነዚ ድማ፡ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 20-21 ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። 22 ንሱ ድማ፡ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ 23 ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። 24 ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሀብዎ፡ በሎም። 25 ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። 26 ንሱ ድማ፡ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 27 ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ። 28 እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ። 29 ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ምስ ቀርበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 30 ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። 31 ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ። 32 እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ። 33 ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፡ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም። 34 ንሳቶም ድማ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም። 35 ናብ ይሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። 36 ንሱ ኺኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። 37 ናብ መወዳእታ ቚልቊል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ፡ ኲሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዂሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎ ጀመሩ እሞ፡ 38 ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 39 ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ። 40 ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 41 ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ 42 ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። 43 ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። 44 ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም። 45 ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፡ 46 ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ። 47 ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 48 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዐስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰኣኑ።

ወንጌል ሉቃስ 20

1 ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህሮም ወንጌልውን ኪሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፡ 2 በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 3 ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፡ 4 ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም። 5 ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። 6 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኲሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኺጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሐስቡ ስለ ዝነበሩ፡ 7 ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ። 8 የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብሮ፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም። 9 ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኺነግሮም ጀመረ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ኪድንጒ ናብ ካልእ ሃአር ከደ። 10 ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 11 ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቒዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 12 መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቚሲሎም ንወጻኢ ሰጐጒዎ። 13 እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ። 14 እቶም ዓየይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶ፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ። 15 ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧ 16 መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ያእ፡ ኣይግበሮ፡ በሉ። 17 ንሱ ግና ጠሚትዎም፡ እቲ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዚብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧ 18 ኣብቲ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኺስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ፡ በለ። 19 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረበ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ። 20 ተጻናትዮም ብዘረባ ኺሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዚጻናጸኑ ሰደዱ። 21 ንሳቶም ከኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ ኣሎና። 22 ንቂሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሐተትዎ። 23 ንሱ ግና ጒርሖም ፈሊጡ፧ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ 24 እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ አን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ናይ ቄሳር በሉ። 25 ንሱ ድማ፡ እምብኣርሲ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። 26 ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪማም ኣጽቀጡ። 27 ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሐተትዎ፡ 28 ከምዚ ኢሎም፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ ሓው ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓው ሓድጊ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና። 29 እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ። 30 እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ። 31 እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምኡውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሐደጉ ሞቱ። 32 መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት። 33 እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 34 የሱስ ከኣ በሎም፡ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም። 35-36 እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። 37 ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። 38 ንእኡ ዂሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። 39 ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሱሉ። 40 ድሕርዚ ገለ ኺሐትዎ እኳ ኣይደፈሩን። 41-43 ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ? 44 እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ውዱ ይኸውን፧ በሎም። 45 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ 46 ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጻሓፍቲ ተጠንቀቑ። 47 እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።

ወንጌል ሉቃስ 21

1 ቊሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ። 2 ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፡ 3 ካብ ኲላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4 እዚኣቶምሲ ዂላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዂሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ። 5 ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡ 6 እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ። 7 ንሳቶም ከኣ፡ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፧ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 8 ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ደድሕሪኦም ኣይትስዐቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። 9 ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። 10 ሽዑ በሎም፡ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። 11 ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ። 12 ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጒኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማምትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13 እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ። 14-15 ኣነ ንዂሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ብኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 16 ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህበኹም፡ ካባኻትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም። 17 ስለ ዝመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። 18 ግናኸ ኻብ ርስትኹም ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19 ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። 20 የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። 21 ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። 22 እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ። 23 በተን መዓልታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብብዋን ወይልኤን። ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። 24 ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኲሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትረግጽ እያ። 25 ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። 26 ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። 27 ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። 28 እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ። 29 ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፡ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኲሉ ኦምን ርኣዩ። 30 ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ክትርእዩ ኸሎኸም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። 32 እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 33 ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። 34-35 ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። 36 ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኲሉ ነገር ንምምላቚን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኲሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ። 37 መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ። 38 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።

ወንጌል ሉቃስ 22

1 ፋስጋ ዚበሀል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። 2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 3 ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆርታዊ ዚብሀል ይሁዳ አተወ፡ ንሱ ኻብ ቁጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ 4 ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ ተዛረበ። 5 ተሐጒሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህበኦ ኣውዐሉሉ። 6 ንሱ ድማ ተሰማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ። 7 እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። 8 የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ኪዱ፡ ኪንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም። 9 ንሳቶም ከኣ፡ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፡ በልዎ። 10 ንሱ ድማ በሎም፡ እንሆ፡ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዐብዎ። 11 ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፡ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 12 ንሱ ኸኣ እተነጸረ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ። 13 ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። 14 እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 15-16 ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። 17-18 ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ። 19 እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሀቦም። 20 ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይእተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። 21 ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። 22 ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ። 23 ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪመራመሩ ጀመሩ። 24 መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸምዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። 25 ሽዑ ንሱ በሎም፡ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። 26 ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። 27 እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ። 28 ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። 29-30 ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም። 31 ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነይ። 32 ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። 33 ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ። 34 ንሱ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 35 ደሓር ከኣ፡ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳኢኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓንቲ እኳ፡ በሉ። 36 በሎም፡ ሕጂ ግና ማሕፋዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ከምኡውን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኡ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ 37 ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ። 38 ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፡ ይኣክል፡ በሎም። 39 ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ስዐብዎ። 40 ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። 41 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡ 42 ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። 43 ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። 44 ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። 45 ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም። 46 ንሱ ኸኣ፡ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም። 47 ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚብሀል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ። 48 የሱስ ድማ፡ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ። 49 እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ። 50 ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። 51 የሱስ ከኣ፡ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ። 52 የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ ከም ናይ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፧ 53 ኣብ ቤት መቕደስ ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም። 54 ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። 55 ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። 56 ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፡ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት። 57 ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። 58 ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፡ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ። 59 ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ። 60 ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። 61 ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡ 62 ናብ ወጻኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ። 63 እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማየላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። 64 ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፡ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፧ እናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ። 65 እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ። 66-67 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ 68 እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትመልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። 69 ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም። 70 ኲሎም ከኣ፡ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። 71 ንሳቶም ከኣ፡ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ።

ወንጌል ሉቃስ 23

1 እቶም እተኣከቡ ዂላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። 2 ንሳቶም ከኣ፡ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፡ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ። 3 ጲላጦስ ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4 ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም። 5 ንሳቶም ግና፡ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሀረ ንህዝቢ የባዕድ ኣሎ፡ ኢሎም ወዐዩ። 6 ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ። 7 ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። 8 ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገበሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ። 9 ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። 10 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። 11 ሄሮድስ ድማ ምስ ገላውኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ። 12 ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ። 13 ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ 14 ነዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኸስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። 15 ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። 16 ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም። 17 በብበዓል ግና ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበረ። 18 እቶም ህዝቢ ድማ ኲሎም፡ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሐቢሮም ጨደሩ። 19 በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። 20 ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም። 21 ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። 22 ሳልሳይ ጊዜ ኸኣ፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፡ ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም። 23 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዐረ። 24 ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ። 25 ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሀቦ። 26 ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ኻብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ። 27 ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። 28-29 የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፡ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዝየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። 30-31 ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ? ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን። 32 ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኺስቀሉ ኣምጽእዎም። 33 ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቐልዎ። 34 የሱስ ድማ፡ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለአ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። 35 እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፡ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 36-37 እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። 38 ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፡ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ። 39 ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። 40 እቲ ኻልኣዩ ግና፡ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ርዲ ኸሎኻኸ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ 41 ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍኣት እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። 42 ንየሱስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። 43 የሱስ ድማ፡ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 44 ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። 45 ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 46 የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቊባ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። 47 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። 48 እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። 49 እቶም ዚፈልጥዎ ዂሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዐባኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ። 50-51 እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። 52 ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። 53 ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ። 54 መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። 55 እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ኸመይ ከ እተነብረን ረኣያ። 56 ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዐረፋ።

ወንጌል ሉቃስ 24

1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ። 2 እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። 3 ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። 4 ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። 5 ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፧ 6-7 ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። 8 ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። 9 ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዂሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኲሎምን ነገራኦም። 10 እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። 11 እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። 12 ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ። 13 እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14 ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዂሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15 ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16 ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17 ንሱ ድማ፡ እዚ፡ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18 እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፡ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፡ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኲሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20 ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21 ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22 ግናኸ ኻባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። 23 ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24 ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25 ንሱ ድማ፡ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ፡ 26 ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27 ካብ ሙሴን ኲሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኲሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ። 28 ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። 29 ንሳቶም ግና፡ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዐሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። 30 ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሀቦም። 31 ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32 ንሓድሕዶም ከኣ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጒመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃህሉ። 33 በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34 ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35 እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም። 36 እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37 ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧ 39 ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። 40 እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41 ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ሰለ ዝሰኣኑ፡ ሱ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፧ በሎም። 42 ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሀብዎ። 43 ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ። 44 ንሱ ድማ፡ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዂሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45 ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፡ 46 ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምውታት ኪትንስእ፡ 47 ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 48 በዚ ንስኻትኩም መስክር ኢኹም። 49 እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። 50 ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። 51 ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። 52 ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 53 ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።

ወንጌል ዮሐንስ 1

1 ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። 2 እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። 3 ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። 4 ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። 5 ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። 6 ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። 7 ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። 8 ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9 እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። 10 ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶም። 11 ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። 12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብሱ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። 13 ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካፍ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። 14 እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ዳ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። 15 ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። 16-17 ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። 18 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሀዶ። 19 ኣይሁድ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፡ 20 ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። 21 ንሳቶም ድማ፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ድኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። 22 ሽዑ ንሳቶም፡ መን ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ በልዎ። 23 ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። 24 እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። 25 ንሳቶም ከኣ፡ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣሎኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 26 ዮሃንስ ደማ፡ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ ኣሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። 27 እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ እየ፡ ኢሉ መለሰ። 28 እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕጾ ዮርዳኖስ ኰነ። 29 ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 30 እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። 31 ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። 32 ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስክረ። 33 እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34 ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። 35 ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። 36 ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 37 እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዐብዎ። 38 የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ረቢ፡ ትርጉሙ መምህር፡ ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧ በልዎ። 39 ንሱ፡ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዐሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 40 ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። 41 ንሱ ቕድም ንሓው ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ ንመሲህ፡ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፡ ረኸብናዮ፡ በሎ። 42 ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፡ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡ ክትብሀል ኢኻ፡ በሎ። 43 ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። 44 ፊልጶስ ከኣ ብዓል ሳይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። 45 ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እምኦ፡ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፋ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። 46 ናትናኤል ድማ፡ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፡ ንዓ ርኤ፡ በሎ። 47 የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፡ እንሆ፡ ጒርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። 48 ናትናኤል፡ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 49 ናትናኤል ድማ፡ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50 ዮሱስ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፡ ካብዚ ዚዐቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51 ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ።

ወንጌል ዮሐንስ 2

1 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። 2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዐደመ። 3 ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፡ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። 4 የሱስ ድማ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። 5 ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ንሱ ዚብለኩም ኲሉ ግበሩ፡ በለቶም። 6 ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኸሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዚግብእ እዩ። 7 የሱስ፡ ነዚ ኣጋንእን ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። 8 ሽዑ፡ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። 9 እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዐሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፡ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ 10 ኲሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። 11 የሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። 12 ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። 13 ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 14 ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። 15 ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዕርን ንዂሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። 16 ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። 17 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጽሑር ከም ዘሎ ዘክሩ። 18 ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። 19 የሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 20 እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። 21 ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ። 22 ስለዚ ኸኣ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23 ነቲ፡ ይሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። 24-25 የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።

ወንጌል ዮሐንስ 3

1 ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። 2 ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፡ ረቢ፡ ብጀካ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ በሎ። 3 የሱስ ድማ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4 ኒቆዲሞስ ከኣ፡ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧ በሎ። 5 የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። 6 ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። 7 ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። 8 ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። 9 ኒቆዲሞስ ከኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ። 10 የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢካ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ 11 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 12 ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ 13 ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። 14-15 ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። 16 ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። 17 ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። 18 ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። 19 እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። 20 ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። 21 እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። 22 ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። 23-24 ዮሃንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። 25 ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ። 26 ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኲሉ ኸኣ ናብኡ ይከይድ ኣሎ፡ በልዎ። 27 ዮሃንስ ከኣ መሉሱ በለ፡ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። 28 ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። 29 እቲ መሮዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። 30 ንሱ ኺዐቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። 31 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። 32 ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። 33 እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ። 34 ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር። 35 ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኲሉ ኣብ ኢዱ ሀቦ። 36 ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ቊጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 4

1 ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡ 2 ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉ ኣየጥመቐን፡ 3 ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ። 4 ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ዀኖ። 5 ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሀቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ። 6 ኣህኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ ኣሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 7 ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። 8 ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9 ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧ በለቶ። 10 የሱስ ድማ፡ ህያው ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሀበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ። 11 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቚ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧ 12 ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሀበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዐቢ ኢኻ፧ በለቶ። 13 የሱስ ድማ፡ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 14 እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ። 15 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሀበኒ፡ በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። 17 እታ ሰበይቲ መሊሳ፡ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልኪ ቅኑዕ ተዛረብኪ። 18 ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዚስ ሓዊ ተዛረብኪ፡ በላ። 19 እታ ሰበይቲ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣሎኹ። 20 ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ። 21 የሱስ በላ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኸም እትመጽእ፡ እመንኒ። 22 ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። 23-24 ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። 25 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶምስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኲሉ ኺነግረና እዩ፡ በለቶ። 26 የሱስ ከኣ፡ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ። 27 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፡ እንታይ ትደሊ፧ ወይሲ፡ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣሎኻ፧ ዝበሎ የልቦን። 28 እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፡ 29 ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም። 30 ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። 31 ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ። 32 ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡ በሎም። 33 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፡ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃህሉ። 34 የሱስ በሎም፡ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። 35 ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጸዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 36-37 ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። 38 ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዐርኩምሉ ኽትዐጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዐሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም። 39 ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ ዝገብርክዎ ዘበለ ኣጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። 40 እቶም ሳምራውያንውን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለምንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ። 41 ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ። 42 ነታ ሰበይቲውን፡ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምኻኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ። 43-44 ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸድ። 45 ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ። 46 የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። 47 ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። 48 ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኸም፡ በሎ። 49 እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ። 50 የሱስ ድማ፡ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ። 51 ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ። 52 ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ። 53 ሾዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ። 54 የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣይ እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 5

1 ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2 ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤትሄስዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። 3 ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። 4 እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። 5 ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። 6 የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። 7 እቲ ሕሙም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ። 8 የሱስ ከኣ፡ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ። 9 እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። 10 ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ። 11 ንሱ ግና፡ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። 12 ንሳቶም፡ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 13 እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። 14 ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ። 15 እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። 16 ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጒዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። 17 የሱስ ግና፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 18 ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። 19 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። 20 ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዂሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። 21 ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። 22-23 ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። 24 እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25 እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 26 ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ፡ ህይወት ሀቦ። 27 ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሀቦ። 28-29 ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። 30 ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። 31 ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ። 32 ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ ኣሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። 33 ንስኻትኩም ናይ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። 34 እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን። 35 ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም። 36 ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዐቢ ምስክር ኣሎኒ። 37 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። 38 በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን። 39 ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። 40 ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። 43 ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። 44 ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ኻብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧ 45 ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸሰኩምሲ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። 46 ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። 47 ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧

ወንጌል ዮሐንስ 6

1 ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ። 2 ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዐብዎ። 3 የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ። 4 ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 5 ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፡ እዚኣቶም ምእቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ። 6 እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዚበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ። 7 ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቊራሳይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 8 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡ 9 ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕሞ፧ በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቊጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ። 11 የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሀቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም። 12 ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም። 13 ስለዚ ኣክብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዕ ኻብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኤ። 14 እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ። 15 የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ። 16 ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ። 17 ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ። 18 እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ። 19 ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮምዎ ፈርሁ። 20 ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። 21 ሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ምድሪ በጽሔት። 22 ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፡ 23 ግናኸ ኻልኦት ጃላቡ ኻብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኻ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፡ 24 ሽዑ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃላቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። 25 ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፧ በልዎ። 26 የሱስ ድማ፡ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 27 ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 28 ስለዚ ንሳቶም፡ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። 29 የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም። 30 ስለዚ፡ ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር ኣሎኻ፧ 31 ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሀቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። 32-33 ሽዑ የሱስ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ካብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸምዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 34 ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ዂሉ ሳዕ ሀበና፡ በልዎ። 35 የሱስ በሎም፡ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ። 36 ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፡ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን። 37 ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ። 38 ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። 39-40 ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 41 ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጒረምረሙ እሞ፡ 42 እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፡ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል ኣሎ፧ ይብሉ ነበሩ። 43 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጒረምርሙ። 44 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። 45 ኣብ ነብያትውን፡ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። 46 ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ። 47 እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48 እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። 49 ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። 50 ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። 51 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። 52 ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። 53 የሱስ በሎም፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኸምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 54 ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። 55 ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። 56 እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። 57 ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። 58 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። 59 ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። 60 ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። 61 የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፡ እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧ 62 ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ 63 መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። 64 የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምኻኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ 65 ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፡ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ዝበልኩኹም፡ በሎም። 66 ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን። 67 ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 68 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን ኦ ኽንከይድ፧ 69 ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። 70 የሱስ ከኣ፡ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፧ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 71 እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 7

1 ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ። 2 እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 3-5 ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ። 6 የሱስ ከኣ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ። 7 ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ። 8 ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም። 9 እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ። 10 እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን። 11 ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። 12 እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፡ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ። ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ። 13 ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን። 14 የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ። 15 ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ። 16 ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፡ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። 17 ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረቦ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ። 18 እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን። 19 ሙሴዶ ሕጊ ኣይሀበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 20 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ጋኔን ኣሎኻ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለሱሉ። 21 የሱስ ከኣ፡ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዂላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም። 22 ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፡ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እሞበር፡ ካብ ሙሴ ኣይኰነን፡ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ ኣሎኹም። 23 እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኲለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዂርዩለይ ኣሎኹም፧ 24 ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም። 25 ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ 26 እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊዕጦም ኰይኖም፧ 27 ግናኸ እዚ ኻበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ። 28 የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፡ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎም ኢኹም። 29 ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ። 30 ስለዚ ኪሕዝው ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን። 31 ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ። 32 ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጒረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላውኦም ለኣኹ። 33 ስለዚ የሱስ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ። 34 ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩም እዩ፡ በሎም። 35 ስለዚ ኣይሁድ፡ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ክምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧ 36 ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓል እንታይ እዩ፧ ተባሃሀሉ። 37 በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። 38 ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። 39 የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ። 40 ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፡ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ። 41 ካልኦትውን፡ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፡ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧ 42 እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤትልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፧ በሉ። 43 ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ። 44 ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዐለሉ ግና የልቦን። 45 እቶም ገላው ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም። 46 እቶም ገላዉ፡ ከምዚ ሰብኣይ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ። 47 ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ 48 ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧ 49 እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 50 ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፡ 51 ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔ እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም። 52 ንሳቶም፡ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ። 53 ኲሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።

ወንጌል ዮሐንስ 8

1 የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። 2 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። 3 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፡ 4 መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተታሒዛ። 5 ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ። ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። 6 መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። 7 ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። 8 ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። 9 ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኲሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። 10 የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ዝፈረደኪዶ የልቦን፧ በላ። 11 ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ። 12 ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም። 13 ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር ኣሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ። 14 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም። 15 ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ ኣይፈርድን እየ። 16 ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ። 17 ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ ኣሎ። 18 ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ ኣሎ። 19 ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ። 20 የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን። 21 ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ኣነ እኸይድ ኣሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። 22 ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ባዕሉ ኪቐትላ ኢሉ፧ በሉ። 23 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። 24 ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። 25 ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ። 26 ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር ኣሎኹ፡ በሎም። 27 ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን። 28 ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። 29 እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኲሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም። 30 ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 31 ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። 32 ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። 33 ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ንተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እት ብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ መለሰሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። 35 ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዂሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዂሉ ጊዜ ይነብር እዩ። 36 ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። 37 ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም። 38 ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም። 39 ንሳቶም፡ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40 ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። 41 ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፡ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎ። 42 የሱስ በሎም፡ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። 43 ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። 44 ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። 45 ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን። 46 ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ 47 እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ። 48 ኣይሁድ ከኣ፡ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለሱሉ። 49 ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣሎኹም። 50 ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደሊን ዝፈርድን ግና ኣሎ። 51 ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 52 ኣይሁድ ድማ፡ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፡ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ፡ ትብል ኣሎኻ። 53 ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዐቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ፧ በልዎ። 54 የሱስ ከኣ፡ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። 55 ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እሮአ። 56 ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 57 ኣይሁድ ከኣ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። 58 የሱስ ከኣ፡ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከምዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 59 ስለዚ ኺድርብዪሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ።

ወንጌል ዮሐንስ 9

1 ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። 2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 3 የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። 4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ። 5 ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 6 እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፍውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ለኸየ እሞ፡ 7 ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆምትርጓሜኡ ልኡኽ፡ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ። 8 ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። 9 ገሊኦም፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና። ኣነባ እየ፡ በለ። 10 ስለዚ ንሳቶም፡ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧ በልዎ። 11 ንሱ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸየ፡ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 12 እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፈልጥን፡ በሎም። 13 ነቲ ቕድም ዕውር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14 እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። 15 ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም። 16 ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፡ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ። 17 ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕውር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነብዪ እዩ፡ በለ። 18 እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዕ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፡ 19 እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። 20 እቶም ወለዱ ድማ፡ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። 21 ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። 22 ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስክረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጒዎ ሐጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። 23 ስለዚ እቶም ወለዱ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። 24 ሽዑ ነቲ ዕውር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሀብ፡ በልዎ። 25 ሽዑ ንሱ መሊሱ፡ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። 26 ሽዑ ንሳቶም፡ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። 27 ንሱ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 28 ጸረፍዎ እሞ፡ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 29 ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። 30 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። 31 ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና። 32 ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። 33 እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 34 ንሳቶም ከኣ፡ ንስኻ ዂለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና ኣሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ። 35 የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። 36 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። 37 የሱስ ድማ፡ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። 38 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። 39 የሱስ ድማ፡ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። 40 ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፡ ንሕናኸ ዕውራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። 41 የሱስ ድማ፡ ዕውራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጥኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ንርኢ ኣሎና፡ ትብሉ ኣሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም

ወንጌል ዮሐንስ 10

1 እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኲር፡ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3 ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዕ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። 4 ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፈረን ድማ፡ ቀቅድሚኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። 5 ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። 6 የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዐልዎን። 7 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፡ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 8 እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9 እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 10 ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። 12 እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዂላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሀድም። እቲ ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። 13 ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሀድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14 ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። 15 ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። 16 ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። 17 ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18 ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። 19 ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። 20 ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፡ ጋኔን ሒዝዎ ይዐብድ ኣሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እትሰምዕዎ፧ በሉ 21 ካልኦት ግና፡ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧ በሉ። 22 ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። 23 የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። 24 ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፡ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። 25 የሱስ መለሰሎም፡ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ ኣሎ። 26 ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም። ኣይትኣምኑን ኢኹም። 27 እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። 28 ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። 29 እቲ ንኣታተን ዝሀበኒ ኣቦይ ካብ ኲሉ ይዐቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። 30 ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። 31 ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዐሉ። 32 የሱስ ኸኣ፡ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 33 ኣይሁድ ከኣ፡ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ መለሰሎም፡ ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ 35 ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡ 36 ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ትጻረፍ ኣሎኻ፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ 37 ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። 38 እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ። 39 መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ። 40 ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41 ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፡ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዂሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። 42 ኣብአውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።

ወንጌል ዮሐንስ 11

1 ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ። 2 ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። 3 ስለዚ እተን ኣሓቱ፡ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሓሚሙ ኣሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ። 4 የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ። 5 የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። 6 ምሕማሙ ምስ ሰምዔ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዐለ። 7 ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም። 8 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧ በልዎ። 9 የሱስ ከኣ፡ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። 10 እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 11 እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 12 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ። 13 የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። 14 ሽዑ የሱስ ብግህዶ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ 15 ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም። 16 ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቱ፡ ንሕናውንከ ምእሱ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም። 17 ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። 18 ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ። 19 ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። 20 ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። 21 ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ 22 ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። 23 የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ። 24 ማርታ ድማ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። 25 የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። 26 ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። 27 ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣሎኹ፡ በለቶ። 28 እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን ኣሎ፡ ኢላ ጸውዓታ። 29 ንሳ እዚ ምስ ሰምዔት፡ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ናብኡውን ከደት። 30 የሱስ ኣብታ ማርታ እተቐበለቶ ስፍራ ጸንሔ እምበር፡ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ። 31 እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ማላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዐብዋ። 32 ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ። 33 ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፡ 34 ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ። 35 የሱስ ነብዔ።። 36 ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዮ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ። 37 ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ። 38 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፡ እዚ ግና ብእምኒ እተዐጽወ በዓቲ እዩ፡ 39 የሱስ፡ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። 40 የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ። 41 ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዐልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 42 እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኲሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለ። 43 እዚ ምስ በለ፡ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 44 እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም። 45 ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ። 46 ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶ፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። 47 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ 48 ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኲሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ። 49 ሓደ ኻባታቶም ቀያፊ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 50 ኲሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። 51 በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነበዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። 52 ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን። 53 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 54 ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። 55 ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 56 ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፡ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሀሉ። 57 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብረሎም ኣዘዙ።

ወንጌል ዮሐንስ 12

1 ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ። 2 ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ። 3 ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት። 4 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦም ግና፡ 5 እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧ በለ። 6 እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፋዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ። 7-8 ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ። 9 ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላው ፈሊጦም፡ መጹ። ነቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ። 10-11 ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 12 ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ቡዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዑ፡ 13 ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። 14-15 ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ። 16 ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዐልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሐ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ። 17 እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።። 18 ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ። 19 ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ፡ ተባሃሀሉ። 20 ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ። 21 ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርዮ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም ለመንዎ። 22 ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። 23 የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ። 24 ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25 ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ። 26 ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። 27 ሕጅስ ነፍሰይ ጒህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ። 28 ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ ኣሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 29 ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፡ ነጒዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፡ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ። 30 የሱስ መሊሱ በሎም፡ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። 31 ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛእ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። 32 ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዂሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። 33 ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ። 34 ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለሱሉ። 35 ሽዑ የሱስ፡ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። 36 ደቂ ብርሃን ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ። 37-38 እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ? ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደ? ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። 39-40 ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምንሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ። 41 ኢሳይያስ ክብረቱ ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ። 42-43 ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይስጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሀዱን። 44 የሱስ ግና ጨደረ በለውን፡ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን። 45 ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ። 46 እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ ኣሎኹ። 47 ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። 48-50 ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 13

1 የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። 2 ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። 3 የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዂሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሀቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡ 4 ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዐጥቀ። 5 ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛምርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዐጥቀ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀሚሩ። 6 ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣኣጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፡ በሎ። 7 የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ። 8 ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ። 9 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሓጽበ፡ ኩለንተናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ ኲላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ። 11 ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኲላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ። 12 ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሐጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩምልሲ ትፈልጥዎዶ ኣሎኹም፡ በሎም። 13 ንስኻትኩም መምርህን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። 14-15 ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። 16 ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17 ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። 18 ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ። 19 ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣሎኹ። 20 ነቲ ዝለአኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 21 የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጉህዩ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ፡ ኢሉ መስከረ። 22 እቶም ደቀመዛምርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። 23 ካብ ደቀ መዛምርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። 24 ንዕኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ። 25 እቲ ኣብ ኣፍልቢ የሱስ ተጐዝጒዙ ዘሎ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፡ በሎ። 26 የሱስ ከኣ፡ እቲ ኣነ ቑራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ከኣ ቊራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆርታዊ ሀቦ። 27 ድሕሪ እታ ቚራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ። 28 ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። 29 ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፡ ንበዓል እንደልዮ ዐድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሀብ፡ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። 30 ንሱ ግና ነታ ቚራስ እንጌራ ምስ ተቐበላ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ። 31 ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፡ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። 32 ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ። 33 ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ። 34 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። 35 ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኲሉ ኺፈልጥ እዩ። 36 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ድማ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 37 ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይኑ፧ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ። 38 የሱስ ከኣ፡ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፧ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትኽሕደኒስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።

ወንጌል ዮሐንስ 14

1 ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። 2 ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡ 3 ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። 4 ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኸም። 5 ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ በሎ። 6 የሱስ ከኣ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። 7 ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈልጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን ኣሎኹም፡ በሎ። 8 ፊልጶስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ። 9 የሱስ በሎ፡ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፡ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል ኣሎኻ፧ 10 ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹን ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። 11 ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ። 12 ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 13 ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልኩም እየ። 14 ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ። 15 እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። 16 ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ 17 ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። 18 ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 19 ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። 21 እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። 22 እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፡ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ። 23 የሱስ ከኣ፡ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። 24 እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። 25 ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። 26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዂሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። 27 ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን። 28 ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። 29 ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም ኣሎኹ። 30 ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። 31 ግናኸ ኣነ ነቦ ኸምዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን ኣሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ።

ወንጌል ዮሐንስ 15

1 ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኣ ኸኣ ኣቦይ እዩ። 2 ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። 3 ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኸም። 4 ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጒንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። 5 እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። 6 ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7 ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። 8 ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኺም። 9 ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። 10 ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። 11 ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። 12 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። 13 ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን። 14 ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዂሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። 15 እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። 16 ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። 17 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። 18 ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኩም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። 19 ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። 20 ነቲ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሐልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። 21 ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዂሉ ኺገብሩኹም እዮም። 22 ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን። 23 እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። 24 ካልእ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። 25 እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፡ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝኸነ። 26 እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ። 27 ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።

ወንጌል ዮሐንስ 16

1 ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። 2 ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። 3 ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብሩኹም፡ እዮም። 4 ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። 5 ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። 6 እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ። 7 ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። 8 ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። 9 ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ። 10 ብዛዕባ ጽድቂ፡ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን። 11 ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ። 12 ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ግና ኣሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 13 እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኲሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። 14 ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። 15 እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዂሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፡ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ። 16 ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። 17 ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፡ እዚ፡ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተባሃህሉ። 18 ስለዚ፡ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ። 19 የሱስ ከኣ ኪሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ ኣሎኹም፧ 20 ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ናህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጒህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 21 ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጒሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጒሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ። 22 እምብኣርከ ንስኻትኩኩምውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኸም ዚህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24 ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም። 25 እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። 26-27 በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ። 28 ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሐዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ ኣሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን። 30 ኲሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን ኣሎና፡ በልዎ። 31 የሱስ ከኣ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧ 32 እንሆ፡ ኲላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረዉላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን። 33 ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

ወንጌል ዮሐንስ 17

1-2 የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፡ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዂላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ። 3 ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። 4 ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። 5 ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። 6 ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒ፡ ቃልካውን ሐለዉ። 7 እቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዂሉ ኻባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ። 8 እቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። 9 ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ናትኻ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። 10 ኲሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ። 11 ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም። 12 ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከለኹ፡ ብስምካ ሐሎኽዎም፡ ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን። 13 ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣሎኹ። 14 ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። 15 ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 16 ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። 17 በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ። 18 ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። 19 ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኺቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ ኣሎኹ። 20 ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 21 ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኲላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣሎኹ። 22-23 ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ - ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ - ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። 24 ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ን ሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ ኣሎኹ። 25 ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26 እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

ወንጌል ዮሐንስ 18

1 የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። 2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። 3 ይሁዳ ነቶም ጥፍራ ሮማውያንን ንገላው ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ መጸ። 4 ሽዑ የሱስ ዝመጾ ዘሎ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 5 ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ። 6 ሽዑ፡ ኣነ እየ ምስ በሎም፡ ኣድሐርሓሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ። 7 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ በሉ። 8-9 እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። 10 ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ። 11 የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፡ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነቲ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፧ በሎ። 12 ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13 ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፊ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ። 14 ቀያፊ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ። 15 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ። 16 ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዓጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17 ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዓጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፡ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ በለ። 18 ብዙሕ ቊሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላዉን ሓቂ ኣጒሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። 19 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ። 20 የሱስ ከኣ፡ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረባ፡ ኲሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። 21 ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ ኣሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ። 22 እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላዉ ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ ኣሎኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ። 23 የሱስ ከኣ፡ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 24 ሃና ከኣ፡ ናብ ቀያፊ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ። 25 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፡ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ። 26 ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ኻህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፡ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ። 27 ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ። 28 ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፊ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን። 29 ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ ኣሎኹም፧ በሎም። 30 ንሳቶም፡ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለሱሉ። 31-32 ሽዑ ጲላጦስ፡ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን፡ በልዎ። 33 ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ በሎ። 34 የሱስ ድማ፡ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፧ ኢሉ መለሰ። 35 ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናት ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 36 የሱስ ከኣ፡ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን፡ ኢሉ መለሰ። 37 ጲላጦስ ድማ፡ እምብኣርስከ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዂሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 38 ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ። እዚ ኢሉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ 39 ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧ በሎም። 40 ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፡ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ን አዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።

ወንጌል ዮሐንስ 19

1 ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ። 2 እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ። 3 መመጺኦም ከኣ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ። 4 ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 5 ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾዂ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም። 6 ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ገላዉን ምስ ረኣይዎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም። 7 ኣይሁድ ከኣ፡ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩይ፡ ኢሎም መለሱሉ። 8 ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ። 9 ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን። 10 ጲላጦስ ከኣ፡ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ። 11 የሱስ ከኣ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሐዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 12 ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፡ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዂሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። 13 ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14 ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፡ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም። 15 ሽዑ ንሳቶም፡ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፡ ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ። 16 ሽዑ ኺስቐል ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ። 17 መስቀሉ ጸይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ። 18 ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም። 19 ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ። 20 እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ ብቛንቋ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ። 21 ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ። 22 ጲላጦስ፡ ዝጸሐፍክዎ ጽሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ። 23 እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነንሓድ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዂለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። 24 ንሓድሕዶም ከኣ፡ ንዝበጽሔ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃህሉ። እቲ፡ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ። 25 ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። 26 የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወዲ መጽሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። 27 ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28 ድሕርዚ የሱስ ኲሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ጸማእኩ፡ በለ። 29 ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30 የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፡ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት። 31 ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዂልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32 ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዂልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33 ናብ የሱስ መ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝዓረፈ ርእዮም፡ መሓዂልቱ አይሰበርዎን። 34 ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። 35 እቲ ዝረኣየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ኣሎ። 36 እቲ፡ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ። 37 ካልእ ጽሑፍውን፡ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ። 38 ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ። 39 እቲ ቕድሚ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ። 40 ንስጋ የሱስ ወስዲ፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ። 41 ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ። 42 እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።

ወንጌል ዮሐንስ 20

1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ ኣምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። 2 ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፡ ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም። 3 ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ። 4 ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ። 5 ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን። 6 ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ። 7 እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን። 8-9 ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግን ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ። 10 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ። 11 ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ 12 ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ኸኣ ብትርጋጽ፡ ረኣየት። 13 ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። 14 እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። 15 የሱስ ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ ኣሎኸ፧ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፡ ረቡኒ፡ በለቶ፡ ትርጒሙ መምህረይ ማለት እዩ። 17 የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ ኣሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። 18 ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም። 19 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርህዎም፡ መዓጹ ተሸጒሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 20 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ። 21 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 22 እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ 23 ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። 24 እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን። 25 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም። 26 ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጒሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 27 ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። 28 ቶማስ መሊሱ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። 29 የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርብኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ። 30 የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። 31 ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።

ወንጌል ዮሐንስ 21

1 ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፡ 2 ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ። 3 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን። 4 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን። 5 የሱስ ከኣ፡ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፡ የብልናን፡ ኢሎም መለሱሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። 7 እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፡ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐቡዎ፡ ብጃልባ መጹ። 9 ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ። 10 የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም። 11 ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን። 12 የሱስ ድማ፡ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን። 13 የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ። 14 የሱስ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳልይ ጊዜኡ እዩ። 15 ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ዕያውተይ ኣብሎዕ፡ በሎ። 16 ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ። 17 ሳልሳይ ድማ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፡ ስለ ዝበሎ፡ ጒህዩ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ዂሉ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣባጊዔይ ኣብልዕ። 18 ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19 ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። 20 ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወዲ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፡ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ፡ ዝበሎ እዩ። 21 ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፡ በሎጅ። 22 የሱስ ከኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ። 23 ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን። 24 እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወደ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና። 25 የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኲሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዂላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።

ግብረ ሐዋርያት 1

1 ዎ ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ዂሉ እቲ ቐዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ ኣሎኹ፡ 2 ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡ 3 ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ። 4-5 ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥምቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። 6 ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 7 ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። 8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡ 9 እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበሎ። 10 ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ 11 ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። 12 ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀል፡ ንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 13 ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስ ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ። 14 እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። 15 በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዚኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ። 16 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ። 17 ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ። 18 እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡ 19-20 ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። 21-22 ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ። 23 ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዚብሀል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡ 24-25 ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ። 26 ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ።

ግብረ ሐዋርያት 2

1 ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። 2 ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። 3 እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። 4 ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። 5 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። 6 እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። 7 ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ 8 ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡ 9 ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ 10 ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ 11 ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። 12 ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። 13 ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። 14 ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈልጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። 15 ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። 16 እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ 17 በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። 18 በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። 19 ኣነ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። 20 እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። 21 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። 22 ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ 23 ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽን ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። 24 ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። 25 ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። 26-27 ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። 28 መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። 29 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና ኣሎ። 30 እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ 31 ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። 32 ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። 33 ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። 34-35 ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። 36 እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። 37 ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። 38-39 ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። 40 ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። 41 እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። 42 ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። 43 ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። 44 እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። 45 መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። 46 ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። 47 ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

ግብረ ሐዋርያት 3

1 ጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። 2 ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤት መቕደስ የቐመጥዎ ነበሩ። 3 ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤት መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም፡ ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። 4 ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ። 5 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። 6 ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። 7 ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓንካርዓንካሪቶኡን ጸንዔ። 8 ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። 9 ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ክኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። 10 እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዩዎም፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባደን ብምግራምን መልኡ። 11 ኣብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሀል ናባታቶም ጐየየ። 12 ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም። 13 ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ክፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሀብኩምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሓድክምዎን። 14 እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪምሕረልኩም ለመንኩም። 15 ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስአ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና። 16 ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሀበቶ። 17 ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ጀን ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 18 ግናኸ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብስያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ። 19 እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ 20 ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። 21 ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ። 22 ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ። 23 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ። 24 ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዂላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ። 25 ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳንን ኢኹም። 26 ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዂሉ ናባኻትኩም ለአኾ።

ግብረ ሐዋርያት 4

1 ንህዝቢ ኺነግሩ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም፡ 2 ንህዝቢ ስለ ዝመሀሩን፡ ትንሳኤ ኻብ ምውታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹን፡ ሐሪቖም፡ 3 ኢዶም ዘርጊሖም ሐዝዎም፡ ምድሪ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። 4 ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዖዎ ብዙሓት አመኑ። ቁጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ። 5-6 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስእዕም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዂሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ።ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስእዕም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዂሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ። 7 ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገነበርኩምዎ፡ ኢሎም ሐተትዎም። 8 ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን፡ 9 ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሐወየሉ ኻብ እንምርመር፡ 10 ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስአ የሱ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11 እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ። 12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። 13 ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም። 14 እቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ምስኦም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፡ ዚዛረብዎ ሰአኑ። 15-16 ኻብ ዋዕላ ኼግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ። 17 ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና፡ ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ ኣምሪርና ንግንሓዮም፡ በሉ። 18 ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ። ኣዘዝዎም። 19-20 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም። 21-22 እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዚቐጽዕዎም ምስ ሰአኑ፡ ኣፈራሪሆም ሐደግዎም። 23 ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ተዛረብዎም። 24 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ 25 ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ፧ 26 ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ 27-28 እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። 29-30 ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም። 31 ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ። 32 እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። 33 ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። 34-35 ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን። 36 ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡ ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡ ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡ 37 ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።

ግብረ ሐዋርያት 5

1 ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሪ ሸጠ። 2 ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። 3 ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ 4 ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ። 5 ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። 6 ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ጵ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። 7 ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት። 8 ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት። 9 ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ። 10 ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። 11 ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ። 12 ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሐቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። 13 ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ። 14 ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚኣምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ፡ 15 ጴጥሮስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ። 16 ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዐዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሐወዩ። 17 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂላቶም ኰይኑ፡ ንሳቶም ከኣ ሻራ ሰዱቃውያን እዮም፡ ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ። 18 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሐዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢውን ኣእተውዎም። 19-20 መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም። 21 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሕ ምድሪ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሀሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና መጹ፡ እቶም ዋዕላን ኲሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ድማ ኪእከቡ ጸውዑ። ኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። 22-23 እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን፡ ተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዐጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሐለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም። 24 እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዚ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ኰን ይኸውን እዚ፧ ኢሎም፡ ብዛዕባኦም ዚብልዎ ሰኣኑ። 25 ሓደ መጺኡ ግና፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰባትሲ፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮም። 26 ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፡ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን። 27-28 ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን? እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። 29 ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። 30 ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። 31 ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32 ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሀቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር ኣዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ። 34 ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡ 35 በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። 36 ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስእሕአ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። 37 ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ። 38-39 ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40 ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። 41 ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። 42 ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።

ግብረ ሐዋርያት 6

1 በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። 2 ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። 3 ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ 4 ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። 5 እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጶሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። 6 ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። 7 ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ። 8 እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። 9 ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። 10 ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። 11 ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ሰባት ሐበሉ። 12 ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ 13-14 እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። 15 እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

ግብረ ሐዋርያት 7

1 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ። 2 ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡ 3 ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ። 4 ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ። 5 ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦን፡ ውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ። 6 ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡ 7 ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም። 8 ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም። 9 እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። 10 ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሀወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሀቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ። 11 ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዚምገብዎ ሰኣኑ። 12 ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ሰምዔ፡ ነቦታትና ቐዳማይ ጊዜ ለኣኾም። 13 ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎ፡ ዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ። 14 ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዚዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15 ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ። 16 ናብ ሰኬም ድማ ኣግዐዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዐደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ። 17-18 ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዚትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሐለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዐመረን በዝሔን። 19 እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም። 20 በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ። 21 ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዐለቶ፡ ወዳ ኪኸውን ከኣ ኣዕበየቶ። 22 ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ። 23 ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ኪበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ። 24 ካባታቶም ሓደ ኸም እተዐመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። 25 እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዐልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ። 26 ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ኪብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ኬተዐርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧ በሎም። 27-28 እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ? ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ? ኢሉ ደፍኦ። 29 ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ። 30 ኣርብዓ ዓመት ምስ መልኤ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ። 31-32 ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ኪጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዔ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኺጥምት ከኣ ኣይደፈረን። 33 እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦት ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ። 34 መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካ፡ ንዓ፡ በሎ። 35 ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ። 36 ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም። 37 እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ። 38 ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኺህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ። 39 ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ። 40 ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይነልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ። 41 በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም። 42-43 ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም? ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም። 44 እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት። 45 ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ኪወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ። 46 ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን ማሕደር ኪረክብ ከኣ ለመነ። 47 ቤት ዝሀነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ። 48-50 ነብዪ ኸም ዚብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሀንጹለይ? ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዐርፈላ? እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን? ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሀንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ። 51 ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ ኣሎኹም። 52 ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። 53 ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሐሎኹምዎን። 54 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሐርቀሙሉ። 55 ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡ 56 እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። 57 ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሐቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ። 58 ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዚብሀል ጐበዝ ኣንበሩ። 59 ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። 60 ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ።

ግብረ ሐዋርያት 8

1 ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጒ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2 እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። 3 ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። 4 እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። 5 ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6-7 ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። 8 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 9 ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10 ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 11 ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 12 ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። 13 ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ። 14 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሃዋርያት ከኣ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ሰም ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሰደዱሎም። 15-16 ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም። 17 ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18-19 ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም። 20 ጴጥሮስ ግና፡ ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሐሰብካ፡ ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ፡ 21 ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ገደ የብልካን። 22 እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሐደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ። 23 ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣሎኹ፡ በሎ። 24 ስምኦን ከኣ፡ ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ፡ ኢሉ መለሰ። 25 ንሳቶም ከኣ ቃል ጐይታ ምስ መስከሩን ምስ መሀሩን፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 26 መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፡ ተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 27 ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። 28 ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። 29 መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕርብ፡ በሎ። 30 ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧ በሎ። 31 ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። 32 እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። 33 ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧ 34 እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 35 ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ። 36 መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ። 37 ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 38 ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን። 39 ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። 40 ፊልጶስ ድማ ኣብ ኣዛጦን ተረኽበ፡ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ፡ ናብ ኲሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።

ግብረ ሐዋርያት 9

1-2 ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። 3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። 4 ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ። 5 ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ። 6 ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታይ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ። 7 እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ። 8 ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረኣየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። 9 ከይረኣየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። 10 ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ። 11 ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ 12 ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ ኣትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኸንብረሉ ብራእይ ርእዩ ኣሎ፡ በሎ። 13 ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዔ ኣሎኹ። 14 ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዂላቶም ኪኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ፡ ኢሉ መለሰ። 15-16 ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሓ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ። 17 ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ። 18 ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ። 19 ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዔ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ። 20 ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። 21 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዚጽውዑ ዘበሉ ዜጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ድማ፡ ናብዚ ዝመጸን፧ በሉ። 22 ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣኦም የትሕዞም ነበረ። 23 ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ። 24 ሳውል ግና ምኽሮም ፈልጠ። ምእንቲ ኪቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ። 25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ፡ 26 ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ። 27 በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሀረን ነገሮም። 28 ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። 29 ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ደለዩ። 30 እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ። 31 ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት። 32 ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቅዱሳን ወረደ። 33 ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ። 34 ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ። 35 ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዚነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 36 ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሀል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምውት እያ። 37 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሐሚማ ሞተ። ሐጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። 38 ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ኪመጽእ ለመንዎ። 39 ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ። 40 ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውን፡ ኮፍ በለት። 41 ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ። 42 እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ። 43 ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ።

ግብረ ሐዋርያት 10

1 ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። 2 ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ። 3 ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብጉድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ። 4 ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ 5 ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ። 6 ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ። 7 እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡ 8 ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም። 9 ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10 ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ። 11 ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ። 12 ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡ 13 ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብል ድምጺ መጾ። 14 ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። 15 ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ መጾ። 16 እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ። 17 ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብሉ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡ 18 ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሐተቱ። 19-20 ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ። 21 ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም። 22 ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። 23 ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ። 24 ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25 ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። 26 ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ። 27 ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡ 28 ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኸኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእይኒ። 29 ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 30 ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዜብርህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡ 31 ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ 32 ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቚ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኪነግረካ እዩ፡ በለኒ። 33 ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተዘዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ። 34-35 ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ። 36 እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡ 37 እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሔ ቓል፡ 38 ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 39 ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። 40 ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ኪገሀድ ከኣ ሀቦ፡ 41 ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሐረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን። 42 ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። 43 ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ። 44 ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45-46 እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። 47 ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ። 48 ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ።

ግብረ ሐዋርያት 11

1 ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ፡ ሰምዑ። 2-3 ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ፡ ኢሎም ተበኣስዎ። 4 ጴጥሮስ ድማ ተር ኣቢሉ ኺነግሮም ጀመረ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 5 ኣነ ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ በርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ኽዳን ዚመስል ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ፡ ብራእይ ርኤኹ፡ ናባይውን መጸ። 6 ናብኡ እናጠመትኩ እንተ ኣስተብሀልኩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ምድርን ኣራዊትን ለመም ዚብልን ኣዕዋፍ ሰማይን ርኤኹ። 7 ሽዑ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሐሪድካ ብላዕ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 8 ኣነ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስ ወይስ ዜፈንፍን ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣየልጥን እዩ እሞ፡ ኣይከውንን እዩ፡ በልኩ። 9 ካልኣይ ጊዜ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰለይ። 10 እዚ ሰለስተ ጊዜ ዀነ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኲሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ። 11 እንሆ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዘሎኽዋ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። 12 መንፈስ ከኣ ከይተዋላወልኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሹድሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፡ ኣብ ቤት እቲ ሰብኣይውን ኣቶና። 13-14 ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልአኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ፡ ኪብሎ ኸሎ ኸምዝረኣየ ነገረኒ። 15 ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶምውን ወረደ። 16 ሽዑ ነቲ፡ ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም፡ ዝብል ቓል ጐይታ ዘከርኩ። 17 እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሀንበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዚህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧ 18 እዚ ምስ ሰምዑ ሀድኡ እሞ፡ እምብኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎም፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። 19 እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሔ መከራ እተበተኑ ግና፡ ክሳዕ ፌንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ዞሩ፡ እቲ ቓል ከኣ ብዘይ ንኣይሁድ ንሓደ እኳ ኣይግሩን ነበሩ። 20 ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም። 21 ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት፡ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 22 እዚ ወረ እዚ ኸኣ ብዛዕባኦም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ተሰምዔ፡ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ። 23-24 ንሱ ምስ መጸ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ። 25 በርናባስ ካብኡ ወጺኡ ንሳውል ኪደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ እሞ ምስ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ። 26 ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ማሕበር ዓመት ምሉእ ብሕብረት ነበሩ ንብዙሕ ህዝቢውን መሀሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን ተሰምዩ። 27 በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28 ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። 30 ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።

ግብረ ሐዋርያት 12

1 በቲ ዘመንቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሔ። 2 ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ። 3 እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሐዞ። ቅነ በዓል ቅጫ ኸኣ ነበረ። 4 ምስ ሐዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ድልዩ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ። 5 ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። 6 ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሐሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቚሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 7 እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄ፡ ንጴጥሮስን መሰንገሉኡ ተንከዮ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። 8 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዐጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዐበኒ፡ በሎ። 9 ንሱውን ወጺኡ ሰዐቦ። ግናኸ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዐለን። 10 ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዚሕልዉ ምስ ሐለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሐለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ። 11 ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሐነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 12 ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13 ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሀል ግዝእቲ ኽትሰዕ መጸት። 14 ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። 15 ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። 16 ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። 17 ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። 18 ምስ ወግሔ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ። 19 ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየ። 20 ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹ። ምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቓ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑ። 21 ሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ኣፋን ተቐመጠ ተዛረቦምውን። 22 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩ። 23 ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀቡ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ሐሲኹውን ሞተ። 24 ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዐበየን እናተዘርግሔን ከደ። 25 በርናባስን ሳውልን ድማ ነቲ ረድኤት ኣብጺሖም፡ ካብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምሳታቶም ከኣነቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ ተማልእዎ።

ግብረ ሐዋርያት 13

1 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔኔር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን። 2 እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። 3 ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። 4 ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። 6 ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ንብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ። ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም። 8 ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡ ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። 9 እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ 10 ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርን ኢኻ፧ 11 ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕልኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኣውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ 12 ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ። 13 ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ። 14 ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሐሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ። 15 ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዚንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለኣኹሎም። 16 ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡ 17 ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሐረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም። 18 ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም። 19 ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። 20 ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሀቦም። 21 ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳውል ወዲ ቂስ ሀቦም። 22 ምስ ሰዐሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን፡ ኣተን ሰኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። 23 ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስኤ፡ 24 ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ። 25 ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፡ በለ። 26 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ። 27 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ። 28 ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። 29 ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ። 30 ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። 31 ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም። 32-33 ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና። 34 ከም ብሓድሽ ናይ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ። 35 ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ። 36 ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዐረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረኣየ። 37 እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረኣየን። 38-39 እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን። 40-41 ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዚብልጅ ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ። 42 ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኺነግርዎም ለመንዎም። 43 እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጵሮሴሊታት ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዐቡ። ንሳቶም ኪነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ መዐድዎም። 44 በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። 45 ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸቡን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። 46-47 ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። 48 ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። 49 ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ። 50 ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዐብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዐሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም። 51 ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ። 52 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።

ግብረ ሐዋርያት 14

1 ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነ፡ ሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዚኣምኑ፡ ተዛረቡ። 2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን። 3 ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሀበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ። 4 ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉ፡ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። 5 ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ኬጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡ 6 ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢኤን ናብ ዘላ ሃገርን ሀደሙ፡ 7 ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። 8 ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ስልጥራ ተቐሚጡ ነበረ። 9 ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡ 10 ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ። 11 ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። 12 ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። 13 ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። 14 ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ 15 እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። 16 ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም። 17 ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን። 18 እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። 19 ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ። 20 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። 21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። 22 ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ። 23 ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። 24 ብጲስድያ ሐሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ። 25 ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26 ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾክያ ብመርከብ ተሳገሩ። 27 ናብኣ ምስ በጽሑ፡ ንማሕበር ኣኪቦም፡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፡ ኣዘንተዉሎም። 28 ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።

ግብረ ሐዋርያት 15

1 ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም። 2 ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያት ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ። 3 ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉ፡ ምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎም፡ ብፊንቄን ብሰማርያን ሐለፉ። ንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም። 4 ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም። 5 ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ። 6 እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ። 7 ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8 እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሀበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም። 9 ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። 10 እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ 11 ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን ኣሎና። 12 ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኺነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ። 13 ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ፡ 14 ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15-18 ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ። 19-21 ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ። 22 ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዚበሀል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለኣኹ። 23 ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። 24 ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ 25-26 ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሀቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። 27 ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና። 28-29 ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። 30 ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ። 31 ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ። 32 ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን። 33 ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። 34 ሲላስ ግና ኣብኡ ኺተርፍ ደለየ። 35 ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ። 36 ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሀርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። 37 ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ። 38 ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን። 39 ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። 40 ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። 41 ነተን ማሕበር እናጽንዔወን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።

ግብረ ሐዋርያት 16

1 ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሀል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። 2 ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። 3 ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። 4 ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም። 5 ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጻንዓ፡ ቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። 6 ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ። 7 ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8 ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። 9 ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ። 10 ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። 11 ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ 12 ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። 13 ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን። 14 ልድያ እትብሀል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። 15 ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። 16 ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። 17 ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። 18 ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ከብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። 19 ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡ 20 እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡ 21 ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎም ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። 22 እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። 23 ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ። 24 ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። 25 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26 ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። 27 እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ። 28 ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። 29 ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሀቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። 30 ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። 31 ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እምን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። 32 ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። 33 በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎ ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። 34 ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶ ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ። 35 ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ። 36 እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ። 37 ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። 38 እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። 39 መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም። 40 ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ።

ግብረ ሐዋርያት 17

1 ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት። 2 ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡ 3 ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። 4 ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ። 5 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋ። ንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ። 6 ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፡ እዞም ንዂሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡ 7 ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዚብሀል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ። 8 ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም። 9 ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሐደግዎም። 10 እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11 ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። 12 ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ ኣመኑ። 13 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ። 14 ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጠሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። 15 እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዐብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ። 16 ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ። 17 ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። 18 ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። 19-20 ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ? እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ። 21 ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን። 22 ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምሳኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ። 23 እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይ ተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ ኣነግረኩም ኣሎኹ። 24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። 25 ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። 29 እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30-31 ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። 32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። 33 ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። 34 ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስ ፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

ግብረ ሐዋርያት 18

1 ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ 2 ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ። 3 ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዐየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ። 4 ሰንበት ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ። 5 ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ። 6 ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 7 ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዚብሀል፡ እግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ። 8 ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን። 9-10 ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11 ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሀረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። 12-13 ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ። 14 ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምድ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ሀዲኤ ኽሰምዓኩም ምተገብኤ ነይሩ። 15 ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም። 16 ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም። 17 ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ። ጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን። 18 ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። 19 ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሐደጎም። ንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ። 20 ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ኪጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ ኣበዮም፡ 21 በዚ ዚመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ። 22 ኣብ ቂሳርያ በጽሔ፡ ካብኣ ደዪቡ፡ ንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ። 23 ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዔ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ። 24 ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። 25 መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናብ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡ 26 ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ። 27 ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። 28 የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።

ግብረ ሐዋርያት 19

1 ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ 2 ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ። 3 ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ። 4 ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም። 5 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። 6 ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። 7 እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ። 8 ኣብ ቤት ጸሎት ኣኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን፡ ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ። 9 ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ። 10 እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ። 11 ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ 12 መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። 13 ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። 14 እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። 15 እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶም እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 16 እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። 17 እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቐም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። 18 ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ። 19 ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ። 20 ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን። 21 እዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ። 22 ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ። 23 በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ። 24 ድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ። 25 ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም። 26 እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን ኣሎኹም። 27 እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዐቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ። 28 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ። 29 ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስን፡ እናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ። 30 ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። 31 ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። 32 እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 33 ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ። 34 ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶ ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ። 35 እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘየልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧ 36 እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሀል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሀድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ። 37 እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም። 38 ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎም፡ ነንሓድሕዶም ይካሰሱ። 39 እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ። 40 በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ ኣሎና። 41 ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።

ግብረ ሐዋርያት 20

1 እቲ ታዕታዕ ምስ ዐረፈ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ መዐዶም፡ ተሳናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ነቐለ። 2 ብብዙሕ ቃል እናመዐዶም ከኣ፡ ነቲ ሃገር ዞይሩ ናብ ጽርኢ መጸ። 3 ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሐሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝገበሩሉ፡ ብመቄዶንያ ገይሩ ኺምለስ ምኽሩ ቘረጸ። 4 ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን፡ ኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ። 5 እዚኣቶም ቅድሜና ሐሊፎም ኣብ ጥርኣስ ተጸበዩና። 6 ንሕና ግና ድሕሪ በዓላት ቅጫ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጥሮኣስ ናባታቶም በጻሕና፡ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና። 7 ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ። 8 ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። 9 ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ። ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሔ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ፡ ሞይቱ ድማ ኣልዐልዎ። 10 ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ ኣላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም። 11 ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔ፡ ክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ። 12 ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ። 13 ንሕና ቕድም ኣብ መርከብ ኣቶና፡ ጳውሎስ ምድሪ ምድሪ ኪኸይድ ደልዩ፡ ንእኡ ኽንቅበሎ ሐሲብና፡ ከምኡ ኣዚዙና ነበረ እሞ፡ ንኣሶስ ኣቢልና ሐለፍና። 14 ኣብ ኣሶስ ምስ ተራኸብና፡ ተቐቢልናዮ ናብ ሜጢሌኔ መጻእና። 15 ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ መርከብ ኣብ ሳሞስ ኣቘምናያ፡ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ ኣቶና። 16 እንተ ዀይኑሉስ፡ ጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ኬብዕል ተሀዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድኤ። 17 ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም። 18 ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 19 ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ 20-21 ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። 22-23 ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። 24 ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። 25 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 26-27 ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። 28 ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓሰዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። 29 ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 30 ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም። 31 ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ። 32 ስሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ። 33 ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን። 34 ንኣይን ነቶም ምሳይ ዚነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 35 ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘክርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም። 36 እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሐቢሩ ጸለየ። 37 ኲላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ፡ ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ። 38 ካብ ኲሉ ኸኣ ስለቲ፡ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም፡ ዝበሎ ቃል ኣዝዮም ጐሀዩ። ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።

ግብረ ሐዋርያት 21

1 ኰነ ድማ፡ ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተበገስና፡ መገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፡ ንጽብሒቱ ኸኣ ንሮዶስ፡ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። 2 ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ብእኣ ጌርና ነቐልና። 3 ንቆጵሮስ ኣማዕዲና ርኢናያስ፡ ንጸጋምና ሐዲግናያ ናብ ሶርያ ኣበልና። ጽዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ነበረ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። 4 ደቀ መዛሙርቲ ረኺብናስ፡ ኣብኣ ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና እሞ፡ ንሳቶም ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ነገርዎ። 5 ኰነ ኸኣ፡ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፡ ክንከይድ ወጻእና። ኲላቶም ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ክሳዕ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዄንና ኸኣ ተምበርኪኽና ጸሌና። 6 ንሓድሕድና ደሓን ውዐሉ ተባሃሂልና ኸኣ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፡ ንሳቶምውን ነንገዛኦም ተመልሱ። 7 ንሕና ግና ብመርከብ ምኻድ ምስ ወዳእና፡ ካብ ጢሮስ ናብ ጵቶልማዮስ በጻሕና፡ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዐልና። 8 ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። 9 ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ። 10 ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11 ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ተኣሰረ እሞ፡ ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ፡ በለ። 12 እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። 13 ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 14 ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታ ይኹን፡ ኢልና ሀዳእና። 15 ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16 ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና። 17 ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18 ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሔ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ። 19 ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ በገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም። 20 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም። 21 ኣብ ምእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ብዛዕባ ሙሴ ኸርህቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩአ ኢልካ ኸም አትምህሮም፡ ሰሚዖምልካ ኣለው። 22 ምምጻአካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧ 23 እምብኣርከ እዚ እንብለካ ግበር፡ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፡ 24 ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፡ ርእሶም ኪላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሐሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኲላቶም ኪፈልጡ እዮም። 25 ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና ተማኺርና፡ ንጣኦታት እተሐርደን ንደምን ንሕኑቕን ንዝሙትን ኪሐርሙ እዚዝናዮም ኣሎና። 26 ሽዑ ፓውሎስ ነቶም ሰባት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ምስ ነጽሄ፡ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ መዓልቲ ምንጽሆም ከም ዝመልኤ ኺነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ። 27 እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሐዝዎ እሞ፡ 28 ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ እዝን ምስ እዚ ሕጊ እዝን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዘይላገቡ ንዂሉ ሰብ ዚምህር ሰብኣይ እዚ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ፡ ኢሎም ጨደሩ። 29 ቅድም ንጥራፊሞስ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ። 30 ብዘላ እታ ኸተማ ከኣ ኣዕገርገርት፡ ህዝቢ ድማ ተኣከበ፡ ንጳውሎስ ሒዞም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰሐብዎ፡ ብኡብኡውን ነቲ መዓጹ ሸጐርዎ። 31 ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ የሩሳሌም ብዘላ ኸም እተነዐበት፡ ኣብቲ ሓለቓ ሽሕ ወረ በጽሔ። 32 ሽዑ ጭፍራ ምስ ሓላቑኦም ሒዙ ናባታቶም ጐየየ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ምዝባጡ ሐደጉ። 33 ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሐዞ፡ ብኽልተ መቕሕ ኪኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፡ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሐተተ። 34 እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። 35-36 ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሔ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሀስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ። 37 ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዘረባ ጽርኢዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ 38 ቅድሚ እዚ ወርሒ እዚ ኣናዒብካስ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻዊዶ ንስኻ ኣይኰንካን፧ በሎ። 39 ጳውሎስ ግና፡ ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ብዓል ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ስምይቲ ኸተማ እየ፡ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 40 ሽዑ ጳውሎስ፡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ጸጥ ምስ በሉ ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡

ግብረ ሐዋርያት 22

1 ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ። 2 ብቛንቋ እብራይስጢ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዝዮም ጸጥ በሉ። ንሱ ኸኣ በለ፡ 3 ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሀርኩ ኸኣ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዐቤኹ። ከምዚ ዂላትኩም ሎም ዘሎኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ። 4 ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሀብኩ፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጐጒክዋ። 5 ምእንቲ ኪቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኲላቶም ዓበይቲ፡ ካባታቶም ነሕዋት ደብዳቤታት ተቐቢለ፡ ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ እዮም። 6 ኰነ ድማ፡ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረብኩ፡ ኣጋ ቐትሪ ብድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብርሃለይ። 7 ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብለኒ ድምጺውን ሰማዕኩ። 8 ኣነ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱውን ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ናዝሬታዊ እየ፡ በለኒ። 9 እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፡ ናይቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣይሰምዑን። 10 ሽዑ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧ በልክዎ። ጐይታ ድማ፡ ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፡ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺነግሩኻ እዮም፡ በለኒ። 11 ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ እንተ ሰኣንኩ ድማ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ። 12 ሃናንያ ዚብሀል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ኣብኣ ዚነብሩ ዂላቶም ኣይሁድ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡ 13 ናባይ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ሳውል ሓወይ፡ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ርኤኹ እሞ ጠመትክዎ። 14-15 ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ። 16 ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ። 17 ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ፡ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ፡ 18 ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፡ ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ኪብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ። 19 ኣነ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፡ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። 20 ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ኬፍስሱ ኸለዉ ድማ፡ ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሐሎኹ፡ በልክዎ። 21 ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ፡ በለኒ። 22 ክሳዕ እዚ ቓልዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኣኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሐቕ፡ በሉ። 23 ንሳቶም እናጨደሩ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፡ ሓመድ ንላዕሊ እንተ በተኑ፡ 24 እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዚጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኺምርመር ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ኣዘዘ። 25 ኪገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧ በሎ። 26 እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ እዚ ሰብኣይ ሮማዊ እዩ እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፡ ኢሉ ነገሮ። 27 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ መጺኡ፡ ኣታ፡ ሮማዊ ዲኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እወ፡ በለ። 28 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ ኣነ ንርእሰይ ሮማዊ ንምዃን ብዙሕ ገንዘብ ሂበ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ፡ በሎ። 29 እቶም ኪምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሄ። 30 ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ርግጽ ነገር ኪፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ፡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ኪእከቡ ኣዘዞም፡ ንጳውሎስ ድማ ኣውሪዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቘሞ።

ግብረ ሐዋርያት 23

1 ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩ፡ በሎም። 2 ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኣፉ ኺዘብጥዎ ኣዘዞም። 3 ጳውሎስ ከኣ ንእኡ፡ ኣታ ልቕሉቕ ጊድግዳ፡ ኣምላኽ ኪዘብጠካ እዩ። ንስኻ ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኣሎኻ፡ እሞኸ ሕጊ ኣፍሪስካዶ ኺዘብጡኒ ትእዝዝ ኣሎኻ፧ በሎ። 4 እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣሎኻ፧ በልዎ። 5 ጳውሎስ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ንሹም ህዝብኻ ኣይትጽረፍ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩም፡ በሎም። 6 ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦምውን ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ፡ ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ምዉታትን ይፍረደኒ ኣሎ፡ በለ። 7-8 ሰዱቃውያን፡ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፍስ ኰነ የልቦን፡ ይብሉ፡ ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዂሉ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ዀነ፡ እቲ ኣኼባውን ተኻፋፈለ። 9 ብዙሕ ጫውጫው ድማ ኰነ፡ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ ሓያሎ ጸሓፍቲ፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን። መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡ ከመይ ደኣ ይኹን፧ ኢሎም ተንሲኦም ተኻራኸሩ። 10 ብዙሕ ባእሲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንሳቶም ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ጭፍራ ወሪዶም ካብ ማእከሎም ዘሪፎም ናብ ሰፈር ኬብጽሕዎ ኣዘዞም። 11 ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፡ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ። 12 ምድሪ ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ሰሚሮም ተማሓሐሉ። 13 እቶም ነዚ ኺገብሩ እተማሓሐሉ ኸኣ ካብ ኣርብዓ ይበዝሑ ነበሩ። 14 ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ናብ ዓበይትን መጺኦም፡ ንሕና ንጳውሎስ ከይቀተልናዮ ግለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተማሓሒልና ኣሎና። 15 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ናባኻትኩም ኬውጽኦ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸምዝደሌኹም ጌርኩም ንገርዎ፡ ንሕና ኸኣ ኣባኻትኩም ከይበጽሔ ኽንቀትሎ ተዐጢቕና ኣሎና፡ በልዎም። 16 ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ከኣ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ ኸደ እሞ ናብቲ ሰፈር ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። 17 ጳውሎስ ድማ ካብቶም ሓላቑ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ዘረባ ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ፡ በሎ። 18 ንሱ ኸኣ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ፡ ጳውሎስ፡ እቲ እሱር፡ ናብኡ ጸዊዑ እዚ ወድዚ ዚነግረካ ዘረባ ኣልይዎስ፡ ናባኻ ክኣትወሉ ለሚኑኒ፡ በሎ። 19 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ፡ ንበይኑ ኣግሊሱ ድማ፡ እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። 20 ንሱ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕካ ኽትሐቶ ኸም ዝደሌኻ መሲልካ፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኺተውርደሎም ኪልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። 21 ካባታቶም ካብ ኣርብዓ ሰብኣይ ዚበዝሑ ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ንእኡ ኽሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ከኣ፡ ብርእሶም ምሒሎም ኣለዉ እሞ ሕጂ ተዐጢቖም ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም፡ ኢሉ መለሰሉ። 22 ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ፡ እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ እሞ ሰደዶ። 23 ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊእዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ቂሳርያ ኪኸዱ፡ ክልተ ሚእቲ ዓቀይታይ፡ ሰብዓ ፈረሰኛ፡ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ፡ በሎም። 24 ንጳውሎስ ምእንቲ ኼስርርዎ መጽዓኛ ኺማልኡ ብደሓኑውን ኣብ ፌሊክስ፡ ኣብቲ ራእሲ፡ ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። 25 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ደብዳበ ጸሐፈ፡ 26 ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንፌሊክስ፡ ነቲ ልኡል ራእሲ፡ ሰላም ይብሎ ኣሎ። 27 ነዚ ሰብኣይዚ ኣይሁድ ሒዞም ኪቐትልዎ ደልዮም ከለዉ፡ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣነ ምስ ጭፍራ መጺኤ ኣናገፍክዎ። 28 እቲ ዚኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም ኣውረድክዎ። 29 ሽዑ ስለ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ረኸብኩ እምበር፡ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ክሲ ከቶ ኣይረኸብኩሉን። 30 ኣብዚ ሰብኣይዚ ውዲት ከም ዝገበሩ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ፡ ነቶም ከሰስቱውን ኣብ ቅድሜኻ ኪኸስዎ ኣዚዘዮም ኣሎኹ። ደሓን ኩን። 31 እቶም ዓቀይቲ ድማ፡ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ ብለይቲ ወሲዶም፡ ኣብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ። 32 ንጽብሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ይኺዱ ሐደግዎም፡ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ። 33 እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ራእሲ ሀብዎ። ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ። 34 ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ሃገር ምዃኑ ሐተቶ። ብዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ 35 ከሰስትኻ ምስ መጹ ሽዑ እሰምዓካ፡ በሎ። ኣብ ኣዳራሽ ሄሮድስ ኣእትዮም ኪሕልውዎ ኸኣ ኣዘዘ።

ግብረ ሐዋርያት 24

1 ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሀል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ። 2 ንሱ ምስ ተጸውዔ ድማ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸሶ ጀመረ፡ 3 ዎ ልኡል ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ብምህዞኻ ድማ ነዚ ህዝቢዚ ብዙሕ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዂሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና። 4 ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ። 5 ንሕና ነዚ ሰብኣይዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ። 6 ቤተ መቕደስ ከኣ ኬርክስ ደልየ እሞ፡ ሐዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና። 7 ግነኸ ሊሰያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ መጺኡ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ። 8 ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኺሐልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዂሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ። 9 ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ። 10 እቲ ራእሲ ኺዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ህዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ። 11 ክሰግድ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ። 12 ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ህዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን። 13 ሕጂውን በዚ ዚኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ኪረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። 14 ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፊ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ። 15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። 16 ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኲሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ። 17 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ክቕርብን መጻእኩ። 18 ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሄ ረኸቡኒ። 19 ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዚህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ኪኸሱኒ ምተገብኤ ነይሩ። 20-21 ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘርባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። 22 ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሐደጎ። 23 ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ ማእሰርቲ ኼቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ እንተ ደለየውን፡ ንሓደ እኳ ኸይክልክ ኣዘዞ። 24 ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዔ። 25 ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 26 ምስናይዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪረክብ ትስፋ ይገብር ነበረ፡ ስለዚ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምጽኤ ይዛረቦ ነበረ። 27 ክልተ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ። ፌሊክስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሐደጎ።

ግብረ ሐዋርያት 25

1 ፌስጦስ ነታ ሽመት ምስ ሐዛ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዐሉሉ። 3 ኣብ መገዲ ኣድብዮም ኪቐትልዎ ደልዮም፡ ናብ የሩሳሌም ኬደይበሎም ሞገስ ለመንዎ። 4 ፌስጦስ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ይሕሎ ኸም ዘሎ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ናብኣ ንምውራድ ከም፡ ዝሐሰበ፡ መለሰሎም፡ 5 እምብኣርሲ ኻባታትኩም እቶም ከኣልቲ ዘለዉ ምሳይ ይውረዱ እሞ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ፡ ይኽሰስዎ፡ በሎም። 6 ምሳታቶም ኣስታት ሾሞንተ ወይስ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ። ንጽብሒቱውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። 7 ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ፡ ኪረትዑሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸኣ ከሰስዎ። 8 ጳውሎስ ድማ፡ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን፡ ኢሉ ተመጻረየ። 9 ፌስጥስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ደልዩስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞበዚ ነገርዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትፈቱ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 10 ጳውሎስ ግና፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዚግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡ 11 ዐሚጸ ናብ ሞት ዜብጽሕ ገይረ እንተ ኸይነ ግና፡ ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዚኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ ኣሎኹ፡ በለ። 12 ሽዑ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13 ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ኪበጽሕዎ ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። 14 ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሐደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡ 15 ናብ የሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ። 16 ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም። 17 እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ። 18-19 እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። 20 ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ። 21 ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዚምርመር ምእንቲ ኺሕሎ፡ ይግባኝ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ። 22 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ። 23 ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። 24 ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ስብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ። 25 ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ። 26 ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ። 27 ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።

ግብረ ሐዋርያት 26

1 ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኺመጻረየላ መለሰ፡ 2-3 ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። 4 እምብኣርስኸ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ንብረተይ ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5 ኪምስክሩ እንተ ደለዩስ፡ ከምቲ ኻብ ኲሉ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። 6 ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሀቦም ትጽቢት ተስፋ ኺፍረደኒ ደው ኢለ እኔኹ፡ 7 ነዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ዓሌትና፡ ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገሉ፡ ናብኡ ኺበጽሑ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ። 8 ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ደኣ፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧ 9 ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡኤይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ። 10 እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፡ ኪቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ። 11 ኣብ ኲሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጊዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ኪጸርፉ ኤጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም፡ ኣዝየ ተሀንደድክዎም። 12 በዚ ነገርዚ ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡ 13 ዎ ንጉስ፡ ቀቲ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ። 14 ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዚዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 15 ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። 16 ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ ኣሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። 17 ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡ 18 ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ ኣሎኹ። 19-20 ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን። 21 ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ ኪቐትሉኒውን ሀቀኑ። 22-23 ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዚጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን። 24 ከምዚ ኢሉ ኸመጻረ ኸሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ኣታ ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ፡ እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ ኣሎ፡ በሎ። 25 ጳውሎስ ከኣ፡ ዎ ልኡል ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። 26 እዚ ኣነ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ፡ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 27 ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ፡ በለ። 28 ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ፡ በሎ። 29 ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ፡ ብዘይ እዚ መቚሔይሲ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ፡ ሎሚ ንዚሰምዑኒ ዂላቶም እምበር፡ ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ፡ በለ። 30 ሽዑ እቲ ንጉስን እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንስኡ። 31 ካብኡ ምስ ኣግለሱ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ የብሉን፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። 32 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ፡ ኪፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ፡ በሎ።

ግብረ ሐዋርያት 27

1 ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተቘርጸ ኸኣ፡ ንጳውሎስን ንሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ፡ ካብ ሰራዊት ቄሳር ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣሕለፍዎም። 2 ንሃገር እስያ ብትኸይድ መርከብ ኣድራሚቲስ ጌርና ተበገስና፡ ኣርስጠርኮስ፡ ብዓል መቄዶንያ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ምሳና ነበረ። 3 ንጽብሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና። ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ብጽቡቕ ገጽ ረኣዮ፡ ናብ ፈተውቱ ኺበጽሕ እሞ ካባታቶም ረዲኤት ኪረክብውን ፈቐደሉ። 4 ካብኣ ነቒልና ኸኣ፡ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝዀነ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ሐለፍና። 5 ጸግዓ ጸግዒ ባሕሪ ቂልቅያን ጳምፊልያን ሐሊፍና፡ ናብ ሚራ ምድሪ ሉቅያ ኣቶና። 6 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ እስክንድርያ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣእተወና። 7 ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ አጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሐለፍና። 8 ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሐለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሀል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ። 9-10 በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሐለፈ፡ ጊዜ ጾም ድሮ ሐሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዚኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዐዶም። 11 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ። 12 እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዚበዝሑ ኻብኡ ኺነቕሉ እሞ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዚርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ኪኸርሙ መኸሩ። 13 ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሐለፉ። 14 ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይደንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ። 15 ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሐደግናያ። 16 ኣብ ጸግዒ ከላውዳ እትብሀል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ፡ ብተጋድሎ ንጃልባ እታ መርከብ ከነድሕን ከኣልና። 17 ስሒቦም ምስ ኣውጽእዋ፡ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ኣብ በት ሑጻ ኸይወድቁ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሐደግዋ። 18 ንጽብሒቱ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ ኸኣ፡ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ደርበዩ። 19 ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣቓሑ መርከብ አእዳዎም ደርበይዎ። 20 ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና። 21 ብዘይ ምግቢ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ሰብ፡ እቲ ኻብ ቅሬጥስ ከይነቐልኩም ሰሚዕኩምኒ እንተ ትዀኑስ ግዲ፡ እዚ ጸበባን ጒድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። 22 ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትሀድኡ እልምነኩም ኣሎኹ። 23-24 በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ። 25 ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም። 26 ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና። 27 ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ኽንመላለስ ከሎና፡ እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28 ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ፡ ዕስራ ብቚመት ሰብ ረኸቡ። ካብኡ ቕሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ካልኣይ ከኣ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቚመት ሰብ ረኸቡ። 29 ከውሒ ኣብ ዘሎዎ ኸይንወድቕ ፈሪሆም፡ ብሸነኽ ድሕሪት ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ። መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ። 30 እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ድማ ካብታ መርከብ ኪሀድሙ ደልዮምሲ፡ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዜውርዱ መሲሎም፡ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። 31 ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን፡ እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፡ ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም፡ በሎም። 32 ሽዑ እቶም ዓቀይቲ ማእሰር እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሐደግዋ። 33 ጳውሎስ ከኣ፡ እናተጸቤኹም ገለ ኸይጠዐምኩም ጾምኩም ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ኢሉ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ንዂላቶም ለመኖም፡ 34 እምብኣርከ እዚ ንምድሓንኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጒሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ እልምነኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 35 እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ፡ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ድማ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ። 36 ኲላቶም ከኣ ሀድኡ እንጌራውን በልዑ። 37 ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኸኣ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሹድሽተን ነፍሲ ኢና። 38 በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸኣ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ። 39 ምስ ወግሔ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ ኣየለለይዎን። ኣማዕድዮም ግና፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ደለዩ። 40 ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ፡ ናብ ባሕሪደርበይዎ። ድሕሪኡ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፡ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41 ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ልዕል ኣበልዋ ብወገን ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኰነት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት። 42 እቶም ዓቀይቲ ድማ ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሐሚሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ተማኸሩ። 43 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ ነቲ ምኽሮም ኣይሰመሮን። ነቶም ሓሚሶም ዚኽእሉ ድማቅድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፡ 44 ነቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ይውጽኡ፡ በለ። በዚ ኸምዚ ዂላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።

ግብረ ሐዋርያት 28

1 ምስ ደሐንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሀል ፈለጥና። 2 እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉን። 3 ጳውሎስ ግዳ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ፡ ተመን፡ ብምኽንያት እቲ ረስኒ ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ። 4 እቶም ደቂ ዓዲ ኸኣ እቲ ኣራዊት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፡ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሐነስ፡ እቲ ሕነ ዚፈዲ ኣምላኽ ብህይወት ኪነብር ኣይሐደጎን፡ ተባሃሀሉ። 5 ንሱ ግና ነቲ ኣራዊት ናብ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለውን ኣይጐድኦን። 6 ንሳቶም ከኣ፡ ኪሐብጥ ወይስ ሕጂሕጂ ሞይቱ ኺወድቕ እዩ፡ ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ምስ ተጸበዩ እሞ እኳ ኸም ዘይጐድኦ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ እዝስ ኣምላኽ እዩ፡ ኢሎም ቃሎም ለወጡ። 7 ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዚብሀል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣኣንገደና። 8 ኰነ ድማ፡ኣቦ ጱብልዮስ ብዓሶን ብውጽኣት ከብድን ሐሚሙ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ። 9 እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ። 10 ብብዙሕ ክብሪ ኸኣ ኣኽበሩና፡ ክንብገስ ከሎናውን፡ ዜድልየና ዘበለ ኣስነቑና። 11 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። 12 ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና። 13 ካብኣ ሐሊፍና ኸኣ፡ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ፡ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። 14 ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና። 15 እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ። 16 ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። 17 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ምስ ህዝብና ወይስ ምስ ስርዓት ኣቦታት ዚብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ፡ ካብ የሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ። 18 ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደለዩ። 19 ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና፡ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዜብለይ ክነሰይሲ፡ ጨኒቑኒ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ በልኩ። 20 እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቚሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም። 21 ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን። 22 ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። 23 መዓልቲ ድማ ቈረጹሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም። 24 ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፡ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። 25 ንሓድሕዶም ምልጋብ ስሊኖም፡ ተፋላለዩ፡ ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም፡ 26-27 ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ ብእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ። ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 28 እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም። 29 እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተኻራኸቡ ወጹ። 30 ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31 ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 1

1 ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ 2 ኣቐዲኡ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡ 3 ብዛዕባ ወዱ፡ ብሳ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ 4 ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ 5 ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ 6 ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ 7 ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሀሉኹም። 8 እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ ኣሎኹ። 9-12 ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላክ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። 13 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 14 ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ። 15 ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣሎኹ። 16 ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። 17 ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሀድ እዩ። 18 ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። 19 ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ 20 ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። 21 ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። 22-23 ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። 24-25 ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ - ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ - ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም። 26 ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። 27 እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብእቱ ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። 28 ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዝየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም 29 ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ 30 ምሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ 31 ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ 32 እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዚገብርዋ ጥራይ ኣይኰኑን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 2

1 ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። 2 ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 3 እታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 4 ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነትን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሊንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ 5 ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ። 6 ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 7 ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። 8 ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። 9 እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 10 ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 11 ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። 12-13 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። 14-15 እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። 16 በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ። 17 ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሀልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ 18 ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻ፡ 19 መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ 20 ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። 21 እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ 22 ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ 23-24 ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ? 25 ግዝረትሲ። ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። 26 እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ 27 እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። 28 ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። 29 እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 3

1 እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧ 2 ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ። 3 ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧ 4 ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኾብ። 5 እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ ዓ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ። 6 ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧ 7 እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧ 8 ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ። 9 እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። 10 ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ 11 ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። 12 ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። 13 ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። 14 ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። 15 ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። 16 ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ 17 ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። 18 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን። 19 ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና። 20 ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን። 21 ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ። 22 ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ 23 ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። 24 በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። 25 ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። 26 ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ። 27 ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ። 28 ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእንበት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል ኣሎና። 29-30 ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ? ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ? እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። 31 እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 4

1 እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ 2 ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። 3 እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። 4 ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። 5 ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። 6 ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ እያ። 7 እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። 8 ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። 9 እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል ኣሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ 10 ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። 11 ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። 12 ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣስራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። 13 እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሀበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ 14 እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። 15 እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። 16 ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ 17 ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡ 18 ከምቲ ብሁል ድምእ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። 19 ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ 20 ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሀበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። 21 ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። 22 ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። 23-24 እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። 25 ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 5

1 እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሀልወና። 2 ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና። 3 ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። 4 ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ 5 በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድድማ ኣይተሕፍርን እያ። 6 ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶምስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። 7 ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ 8 ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። 9 እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። 10 ጽላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና፡ ካብ ተዐረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። 11 ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። 12 ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። 13 ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። 14 ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። 15 ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዐዝዝ እዩ። 16 እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። 17 ሞት ብኣበጻ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። 18-19 እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በትቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። 20 ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዐዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዐዘዘ። 21 ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 6

1 እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ 2 ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ 3 ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4 እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። 5 ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። 6-7 እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። 8-9 እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። 10 ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። 11 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ። 12 እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። 13-14 ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። 15 እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን። 16 ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17-18 ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሀብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። 19 ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን በዛራርባ ሰብ እትዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ። 20 ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። 21 መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ሎሚ እትሐፍሩሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፧ 22-23 ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 7

1 ወይስ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2 ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። 3 እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። 4 ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። 5 ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዐዪ ነበረ። 6 ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ፡ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። 7 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። 8 ሓጢኣት ብትእዛዝ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ። 9 ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። 10-11 ሓጢኣት ምኽንያት ረኺበ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ። 12 እምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። 13 እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። 14-15 ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣየልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። 16 ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር ኣሎኹ። 17 ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 18-19 ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20 ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 21 እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። 22 ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። 23 ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። 24 ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ 25 ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 8

1 እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። 2 እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣት ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡ 3 ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ኪገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። 4 ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። 5 ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። 6-7 እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። 8 እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። 9 ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10 ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላል ጽድቂ ህይወት እዩ። 11 ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ። 12-13 እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። 14-15 ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። 16 ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። 17 ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። 18-19 ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። 20 እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ 21 እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኸወጽእ እዩ። 22 ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ 23 ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና። 24 ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። 25 ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። 26 መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። 27 እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። 28 ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29 ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። 30 ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። 31 እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ 32 እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ 33 ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። 34 እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። 35-36 ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ? ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ? 37-39 ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 9

1-2 ኣነ ብዙሕ ጓህን ዝየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። 3 ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ። 4 ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ። 5 ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን። 6 ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። 7 ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን። 8 ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን። 9 እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመት ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ኽመጽእ እዩ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ 10 እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ። 11-13 ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። 14 እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ የልቦን። 15 ንሙሴ፡ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡ 16 ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዜልን ዚጐይን ኣይኰነን። 17 እቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኺውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡ 18 እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ። 19 ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዚገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ። 20 ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ 21 ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ 22 ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡ 23 እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም፡ 24 ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና፡ 25-26 ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሀለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሀሉ፡ ኪኸውን እዩ። 27-28 እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር። 29 ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐደገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ። 30 ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ። 31 እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣየጽሑን። 32-33 ስለምንታይ? ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዐንቀፉ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 10

1-2 ኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። 3-4 ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። 5 ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዚመጽእ ጽድቂ፡ እቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ 6 እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡ እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፡ 7 ወይስ፡ናብ መዓሙቝኢሲ መን ኪወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። 8 እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። 9-11 እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 12-13 ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። 14 ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎምኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ 15 ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧ 16 ግናከ ኢሳይያስውን፡ ጐይታይ፡ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ይብል እዩ እሞ፡ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተኣዘዝዋን። 17 እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18 ኣነ ግና፡ ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል ኣሎኹ ። ደሃዮም ናብ ኲሉ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ፡ ብሓቂ እባ ሰሚዖም። 19 ኣነ ግና፡ እስራኤልከሞ ኣይፈለጠን ድዩ፧ እብል ኣሎኹ። ቅድም ሙሴ፡ ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ኣእምሮ ብዜብሉ ህዝቢውን ከዀርየኩም እየ፡ ይብል። 20 ኢሳይያስውን ደፊሩ፡ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሐተቱለይውን ተገለጽኩሎም፡ ይብል እዩ። 21 ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዚብል።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 11

1 እምብኣርሲ እብል ኣሎኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርብይዎም እዩ? ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ። 2-3 ኣምላኽ ነቲ ቐደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዔ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? 4 ምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ? ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓት ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣሎኹ። 5 እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ ኣሎ። 6 ብጸጋ ካብ ዚኸውን ግና፡ እምብኣርስ ካብ ግብሪ ኣይኰነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ኻብ ዚኸውን ግና፡ ደጊም ጸጋ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ። 7-8 እምብኣርሲ እንታይ ደኣ እዩ? ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ። 9 ዳዊትውን፡ እቲ መኣዶም ንመፈንጠራን መድፈናን ንመዓንቀፍን መስጣን ይዀኖም፡ 10 ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ኣጐብጥ፡ ይብል እዩ። 11 እምብኣርሲ እብል ኣሎኹ፡ ምእንቲ ኺወድቁ ድዮም እተዐንቀፉ? ያእ ኣይፋሎምን። ምእንቲ ኬቕንኦም እባ ደኣ፡ እቲ ምውዳቖም ነህዛብ ምድሓን ኰነሎም። 12 እቲ ምውዳቖም ሃብቲ ዓለም፡ እቲ ምጒዳሎምውን ሃብቲ ኣህዛብ ካብ ኰኑ ግና፡ ምልኣቶ ደኣ ኽንደይ ኪበልጽ እዩ። 13-14 ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእክዎም ካባታቶምውን ገለ እንተ ኣድሐንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር ኣሎኹ። 15 እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኰነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምዉታት፡ እንታይ ካልእ ኪኸውን ኢሉ? 16 እቲ ቐዳማዩ ቅዱስ እንተ ዀነ፡ እቲ ብሑቚ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨንፈሩውን ቅዱስ እዩ። 17 ካብቶም ጨናፍር ሓያሎ እንተ ተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ኽነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተ ዀንካ፡ 18 ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተ ተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ጾርይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱርሲ ንስኻ ኣይኰንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። 19 ምናልባሽ ንስኻ፡ ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን። 20 ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዐበ። 21 ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎም፡ ንኣኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። 22 እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተ ጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቊረጽ ኢኻ። 23 ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ኸም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኪትከሉ እዮም። 24 ንስኻ ኻብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቘሪጽካ፡ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ኸመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ። 25 ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ኻብ እስራኤል ትሪ ልቢ ኸም ዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ፡ ኣይፈቱን እየ። 26-27 ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኣኢአል ኪድሕን እዩ። 28-29 ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዐሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቁራት እዮም። 30-32 ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 33 ወዳጄ፡ መዓሙቚ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። 34 ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ? ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ? 35 መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ? 36 ኲሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዂኖ። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 12

1 እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። 2 እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። 3 ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ። 4 ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ 5 ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። 6 ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። 7 ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። 8 መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሀብ፡ መራሒ እንተ ኸይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። 9 ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። 10 ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። 11 ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። 12 ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዐገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። 13 ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። 14 ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። 15 ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። 16 ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። 17 ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። 18 ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። 19 ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እምኦ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። 20 ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። ኣዚ ብምጋካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። 21 ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 13

1 ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። 2 ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። 3-4 እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ? ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። 5 ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። 6 ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። 7 እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ። 8 እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሀሉኹም። 9 እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። 10 ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። 11 ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። 12 ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። 13 ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። 14 ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዐል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 14

1 ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። 2 ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን ኣሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። 3 ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዐቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። 4 ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ ኣሞ፡ ደው ኪብል እዩ። 5 እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። 6 እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። 7 ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። 8 ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። 9 ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ንእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። 10-11 ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ? ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ? 12 እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። 13 ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀሪ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። 14 ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ። 15 ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሀየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። 16-17 መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። 18 እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። 19 እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ። 20 ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። 21 ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። 22 ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሀሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። 23 ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 15

1 እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። 2-3 ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። 4 ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። 5-6 ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸትኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም። 7-8 ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። 9 ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። 10 ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ፡ ይብል። 11 መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብ፡ ንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። 12 ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ፡ እቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም፡ ይብል። 13 ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም። 14 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምጺ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 15-16 ግናከ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። 17-19 እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ - ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ - ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። 20-21 ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሀንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ። 22 ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ። 23 ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዜብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ፡ 24 ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩም፡ ቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር ኣሎኸ። 25-26 ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። 27 ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዜድሊ ኼገልግልዎም፡ ዚግባእ እዩ። 28 እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። 29 በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 33 ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 16

1 ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ። 2 ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ። 3 ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ። 4 ንሳቶም ኣብ ክንዲ ይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግኖም ዘሎኹ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ። 5 ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ። 6 ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዐርት ማርያም ሰላም በሉ። 7 ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ። 8 ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ። 9 ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ። 10 ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሎስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ። 11 ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ። 12 ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ። 13 ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ። 14 ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ። 15 ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ። 16 ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላ ይብላኹም ኣለዋ። 17-18 ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ። 19 ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሰናይ ብልህታት፡ ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ፡ እደሊ ኣሎኹ። 20 ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 21 ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 ኣነ ጠርጥዮስ፡ ንዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ። 23 እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዚቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም ኣለዉ። 24-25 ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡ 26 ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 27 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን፡፡ ኣሜን፡፡

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 1

1 ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡ 2 ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዚጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡ 3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። 4-6 ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሀብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። 7 ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡ 8 ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ። 9 እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ። 10-12 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 13 ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧ 14-15 ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ጋይዩስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። 16 ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17 እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ክጥምቕሲ ኣይለኣኸንን። 18-19 ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስ ትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 20 ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21 ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ። 22 ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ 23 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 24 ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። 25 ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ። 26 ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። 27 ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። 28-29 ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ። 30-31 ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 2

1-2 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስኽር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። 3 ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። 4-5 እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን። 6-7 እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹባት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። 8 ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 9 ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ 10 እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። 11 እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 12 ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13 ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። 14 እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። 15-16 ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ? ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 3

1 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። 2-3 ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን? ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን? 4 እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዚብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ 5 እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ። 6 ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7 እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዕብሱ የብሎምን። 8 እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9 ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። 10-11 ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ። 12 ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ 13 እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። 14 ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። 15 እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ። 16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም። 18-20 ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን። 21-22 ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። 23 ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 4

1 ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። 2 ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ። 3-4 ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ። 5 ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። 6 ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሀሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ። 7 ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ 8 ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሀብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም። 9 ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለም ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። 10 ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11 ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዐርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ 12 ብገዛእ ኣእዳውና እናዐየና ድማ ንጽዕር ኣኦና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ 13 እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና። 14-15 ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኰንኩን። 16 ስለዚ፡ ሰዓብተይ ኩኑ፡ ኢለ እምዕደኩም ኣሎኹ። 17 በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኼዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ። 18 ሓያሎ ግና፡ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም፡ እተነፍሑ ኣለዉ። 19-20 መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን። 21 ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ፧

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 5

1 ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ። 2 ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። 3-5 ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። 6 ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 7 ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። 8 ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን። 9 ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 10 ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። 11 ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 12 ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ 13 ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 6

1 ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧ 2 ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ 3 ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ 4 እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5-6 ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን? 7 ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ 8 ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን ኣሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። 9 ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ 10 ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። 11 ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም። 12 ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። 13 ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። 14 ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ። 15 እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። 16 እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። 18 ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። 19-20 ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 7

1 ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። 2 ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። 3 ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። 4 ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። 5 ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። 6 እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። 7 ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ። 8 ንዘይተመርዐዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል ኣሎኹ። 9 ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዐዉ። 10-11 ነቶም እተመርዐዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ - እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዐረቕ፡ - ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። 12-14 ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። 15-16 ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ? ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ? እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና ኣሎ። 17 ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዐደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። 18 ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ ኣሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። 19 ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። 20 ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። 21 እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 24 ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር። 25 ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። 26 እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኸነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። 27 ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። 28 ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብሳ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም ኣሎኹ። 29 ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር ኣሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። 30 እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። 31 ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። 32 ኣነ ግና ብዘይ ሓልዩ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። 33 እቲ እተመርዐወ ግና ንሰበቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። 34 ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዐወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። 35 ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። 36 ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸ ኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሀባ። 37 ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። 38 እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። 39 ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። 40 ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 8

1 ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሀንጽ። 2 ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። 3 ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። 4 ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። 5 ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሀሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ 6 ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸም ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። 7 እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። 8 ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። 9 ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀሪ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። 10 ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ 11 ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኩም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። 12 ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። 13 ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 9

1 ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧ 2 ማሕተም ሃዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንኣኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። 3 ምምጽራየይ ነቶም ዚምርምሩኒ እዚ እዩ፡ 4 ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 5 ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዚገብርዎ፡ ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 6 ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዕዮ ኽንሐድግ መሰል ዜብልና፧ 7 ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል፧ ወይኒ ተኸሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ 8 እዚ ኸም ኣዛራርባ ሰብዶ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ እቲ ሕጊውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ 9 ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዚብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሐልዩ እዩ፧ 10 ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ፧ እቲ ዚሐርስ ብተስፋ ኺሐርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣ ግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። 11 ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዐጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ 12 ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዚዐዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ 13 እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 14 ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ። 15 ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ኪዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሐፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዚገብሮስ ሙማት ምሔሸኒ ነይሩ። 16 ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 17 እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። 18 እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ። 19 ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። 20 እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። 21 እቶም ሕጊ ዜብሎም ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። 22 ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። 23 እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ። 24 ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። 25 እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። 26 ስለዚ ኣነ እጐዪ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። 27 ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን ኣሎኹ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 10

1 ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2 ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። 3 ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ 4 ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። 5 ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። 6 እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። 7 እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። 8 ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። 9 ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ። 10 ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። 11 እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። 12 ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13 ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። 14 ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። 15 ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16 እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ 17 ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። 18 ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ 19 እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20 ኣይፋልሪ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። 21 ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። 22 ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧ 23 ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። 24 ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25-26 ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። 27 ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። 28 ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። 29 ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ፧ 30 ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ 31 እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። 32 ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። 33 ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ ኣሎኹ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 11

1 ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። 2 ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሀርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ። 3 ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 4 ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። 5 ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። 6 ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። 7-8 ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። 9 ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። 10 ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። 11-12 ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። 13 እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ 14 ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ 15 ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። 16 ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። 17 ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። 18 ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። 19 እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። 20-21 ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። 22 እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንኣደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። 23 ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዐለ፡ 24 ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 25 ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዐለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 26 መለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። 27 ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። 28 ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። 29 እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። 30 በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። 31 ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። 32 ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና። 33 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። 34 ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 12

1 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2 ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 3 ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ፡ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። 4 እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 5 ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 6 ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 7 ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሀቦ እዩ። 8 ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሀቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ 9 ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሀቦ፡ 10 ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሀቦ። 11 እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ። 12 ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። 13 ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኣሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። 14 እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ 15 እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ 16 እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ 17 ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸ፧ 18 ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። 19 ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ ፧ 20 ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። 21 ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። 22 እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። 23 ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። 24-25 እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሀበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። 26 ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። 27 እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። 28 ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ። 29 ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ 30 ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ 31 ነተን ዚዐብያ ውህበታት ደኣ ጽዐቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13

1 ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። 2 ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። 3 ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። 4 ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ 5 ኣይተስተሐፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ 6 ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። 7 ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። 8 ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ፡ 9 ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። 10 ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዐር እዩ። 11 ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። 12 ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። 13 ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 14

1 ንፍቕሪ ስዐብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። 2 እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። 3 እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሀንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። 4 ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሀንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሀንጽ። 5 ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢ። 6 ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ 7-8 እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ? እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሀየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ? 9 ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ 10 ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። 11 እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። 12 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። 13-14 ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። 15 እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። 16 እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ 17 ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሀንጸን። 18 ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። 19 ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ ኣሎኹ። 20 ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። 21 ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። 22 ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዚኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። 23 ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ 24 ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። 25 እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ። 26 ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገብር። 27 ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ። 28 ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። 29 ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። 30 ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31 ኲላቶም ምእንቲ ኺምሀሩ ዂላቶምውን ኪምዐዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። 32-33 ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። 34 ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። 35 ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምህራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። 36 ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ፧ 37 ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። 38 እቲ ኺልላማጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ። 39 ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። 40 ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 15

1-2 ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። 3 እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ 4 ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ 5 ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ 6 ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። 7 ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። 8 ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። 9 ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። 10 እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11 እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም። 12 ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ 13 ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። 14 ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። 15 ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። 16 ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ 17 ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። 18 እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። 19 ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። 20 ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። 21 ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝምጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22 ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። 23 ግናኸ ነሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓሪ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። 24-25 ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። 26 እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ። 27 ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘን እቲ ኹሉ ንእኡ ዝግብኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። 28 ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ። 29 እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡ 30 ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ 31 ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። 32 ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። 33 ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። 34 ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ። 35 ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። 36 ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37 እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። 38 ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። 39 ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይሁ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40 ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። 41 ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። 42 ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። 43 ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። 44 ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። 45 ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሱ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። 46 ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47 እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። 48 ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። 49 ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና። 50 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 51 እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ 52 ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53 ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። 54 እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዕሪ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። 55 ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 56 ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። 57 ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 58 ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 16

1 ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። 2 ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰለሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። 3 ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። 4 ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። 5 ብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 6 ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። 7 እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። 8-9 ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ። 10 ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዐዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ። 11 ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዐቆ። 12 ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ። 13 ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። 14 ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር። 15-16 ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። 17 ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። 18 ንመንፈስኩምን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም። 19 እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20 ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። 21 እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22 ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። 23 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24 ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 1

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዋስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዂላቶም ቅዱሳን፡ 2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። 3 ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኲሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ 4 በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዂላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። 5 ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። 6 ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንሰቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። 7 ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀኩም ፈሊጥኩም፡ ተስፋና ኣባኻትኩም ጽንዕቲ እያ። 8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሓብኣልኩም ኣይነቱን ኢና። 9 ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። 10 ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ ኣሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና። 11 ንስኻትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም። 12 ትምክሕትና፡ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባኻትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ። 13-14 ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስኻትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 15 ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተኣሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡ 16 ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ። 17 እምብኣርሲ እዚ ምስ ሐሰብኩ፡ ብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ እወ፡ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ዝመኸሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ 18-19 እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን። 20 ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብእሪ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ። 21-22 ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሀበናን ኣምላኽ ንሱ እዩ። 23 ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ኽንሕፈኩም ኢለ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ ኣሎኹ። 24 ብእምነት ቌምኩም ኣሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጒይተት ኣይኰንናን።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 2

1 ከም ብሓድሽ ድማ ብጓሂ ናባኻትኩም ከይመጽእ፡ እዚ ብርእሰይ መደብክዎ። 2 ማለት፡ ኣነ እንተ ኣጒሄኹኹምሲ፡ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝጐሀየ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ዜሐጒሰኒ፧ 3 ሓጐሰይ ሓጐስ ኲላትኩም ከም ዝዀነ ብዂላትኩም እናተኣመንኩ፡ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዚግብኣኒ፡ ክመጽእ ከሎኹ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ እዚ ዝጽሐፍኩልኩም። 4 እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእኝቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጒህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን። 5 ሓደ ሰብ ዘጒሀየ እንተሎ ግና፡ እምብዛ ኸየኽብደሉ፡ ብሓደ ወገኑስ ንዂላትኩም እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዘጒሀየ። 6 ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። 7 እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። 8-9 ብዂሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። 10-11 ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ። 12 ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፊቱለይ ከሎስ፡ 13 ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን። 14 ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኲሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኲሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። 15 ማለት፡ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ 16 ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፧ 17 ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ ኣይኰንናን።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 3

1 ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቊብ ንጅምር ኣሎና፧ ወይስ ከምቶ ም ገሊኦምዶ እተማዕቊበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እሮኣ፧ 2 ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኲሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስኻትኩም ኢኹም። 3 ንስኻትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት፡ ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ። 4 ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ 5 ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። 6 ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና። 7 ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ኻብ መጸትሲ፡ 8 ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧ 9 እታ ኣገልግሎት ኲነኔ ኻብ እትኸብር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዐዝዝ፧ 10-11 እትእ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን። 12 እምብኣርስ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡ 13 ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጒልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። 14 ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣይተቐልዐሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። 15 ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። 16 ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ። 17 ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። 18 ንሕና ዂላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 4

1-2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዂሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቊብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይሕለልን ኢና። 3 እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዮም እተሰወረ። 4 እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ። 5 ማለት፡ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰነናን እንሰብኽ ዘሎና። 6 እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ። 7 ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። 8 ብዂሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ 9 ንስጐጒ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10 ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኲሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና። 11 ምለት፡ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዂሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ። 12 እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዐዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዐዪ ኣላ። 13-14 ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቚመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና። 15 እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኸዕዝዝ፡ ኲሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ። 16-17 እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። 18 እቲ ዚረኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 5

1 እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ኻብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። 2-3 ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና። 4 ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቊር ኣሎና። 5 ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሀበና፡ ኣምላኽ እዩ። 6-7 ስለዚ ዂሉ ሳዕ እሙንቶ ኣላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰነናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና። 8 ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና። 9-10 ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሀድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ ኣሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣሎና። 11 እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም ኣሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሀድናውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 12 ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነ፡ ዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኺህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቊበኩም ኣይኰንናን። 13-14 እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና። 15 ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዂላቶም ሞተ። 16 ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። 17 ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኲሉ ሓድሽ ኰይኑ። 18 እዚ ዂሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዐርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሀበና ኣምላኽ እዩ። 19 ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። 20-21 ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 6

1 ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና። 2 ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ። 3 ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። 4 ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ 5 ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ 6 ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ 7 ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ 8 ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡ 9 ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ 10 ከም ጒሁያት፡ ግናኸ ኲሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኲሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብልና ኴንና ንረኤ ኣሎና። 11 ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ። 12 ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ። 13 ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፡ ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ። 14 ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ንጽድቅን ሓጢኣትን ኣንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ 15 ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ 16 ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ፡ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። 17 ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 18 ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዂሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 7

1 እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወንስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዂሉ ርእስና ነንጽህ። 2 ኣብ ልብኹም ስፍራ ኣርሕቡልና፡ ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዐመጽናን፡ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን። 3 ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘሎኹምሲ፡ ቅድሚ እዚ ኢለ ኣሎኹ እሞ፡ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ንበይንኹም ኣይኰንኩን። 4 ኣባኻትኩም ብዙሕ ትብዓት ኣሎኒ፡ ትምክሕተይ ብኣኻትኩም ዓብዪ እዩ። ብምጽንናዕ መሊኤ ኣሎኹ፡ ብጸበባና ዘበለ ዂሉውን ሓጐሰይ ዕዙዝ እዩ። 5 ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ፡ ካብ ወጻኢ ውግእ፡ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ፡ ብዂሉ ጨነቐና እምበር፡ ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን። 6 እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና። 7 ግናኸ ንሱ ናፍቖትኩምን ብኽያትኩምን ቅንኣትኩምን ምእንታይ ምስ ኣዘንተወልና፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድም እምበር፡ ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣዝይላ እተሐጐስኩ። 8 በታ ደብዳበይ ኣጒህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዐስን እየ። እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጒሀየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ 9 ካባና ገለ ጒድኣት ምእንቲ ኸይትረኽቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጒሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጒሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጒሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። 10 ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዐሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ። 11 እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጒሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዝየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብዂሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም። 12 እምብኣርሲ እንተ ጸሓፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሀድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ። 13 ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስ፡ መንፈሱ ብዂላትኩም ስለ ዝቐሰነ፡ ብዙሕ ኣዚና ተሐጐስና። 14 ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሔ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዂሉ ብሓቂ ዝነገርናኩም፡ ከምኡውን እቲ ትምክሕትና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሐፈርኩን። 15 ከመይ ጌርኩም ብፍርሃት ራዕራዕ ብምባልን ከም እተቐበልኩምዎ፡ ምእዛዝ ኲላትኩም እናዘከረ፡ ልቡ ኣዝዩ ናባኻትኩም ኣቕሊቡ ኣሎ። 16 ብዂሉ ኣባኻትኩም እሙንቶ ኣላትኒ እሞ ሕጉስ እየ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 8

1 ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ 2-3 ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶም ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። 4 ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ 5 ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ 6 ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባኻትኩምውን ኪፍጸም፡ ምዒድናዮ ኣሎና። 7 ግናኸ ብዂሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዐዘዝኩምጅ፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። 8 እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። 9 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። 10 እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። 11 ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ። 12 ፍቓድ ልቢ እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን። 13 ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። 14-15 ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጒደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። 16-17 ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ ብዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባኻትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 18 ምስኡውን ነቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓው ሰዲድና ኣሎና። 19 እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። 20-21 ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና። 22 ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ ብዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ ኣሎና። 23 ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባኻትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24 እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 9

1-2 ኣካይያ ኻብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶንያውን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ። 3 ትምክሕትና ብኣኻትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣሎኹ። 4 እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፡ ንስኻትኩም ከይንብልሲ፡ ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣኽክዎም። 5 እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኹምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ። 6 ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ። 7 ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ፡ 8-9 ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዂሉ ዂሉ ሳዕ ዚኣክል ኲሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዂሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡ 10 ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራን ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቅኹምውን ኬብቊሎን እዩ፡ 11 ንስኻትኩም ከኣ ብዂሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዐዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም። 12 እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡ 13 ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ስለቲ ንኣታቶምን ንዂሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም። 14 ንሳቶምውን ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም። 15 ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 10

1 ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሐቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም ኣሎኹ፡ 2 ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳኻትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም ኣሎኹ። 3 ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። 4 ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ 5 ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና፡ ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። 6 ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዂሉ ኽንቀጽዖ ተዳሊና ኣሎና። 7 ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ የስተብህል። 8 በቲ ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘይኰነ ዝሀበናስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ። 9-10 ገለ ሰብ፡ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። 11 እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎን ኣብቓል ደብዳቤታትና፡ ኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ። 12 ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱ፡ ርእስና ኽንቈጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኸ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስ፡ ኣእምሮ የብሎምን። 13 ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና። 14 ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባኻትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና። 15 ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዐበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዐቢ ተስፋና እዩ። 16 ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። 17-18 እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 11

1 ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዐገሱኒ ደኣ። 2 ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። 3 ግናኸ ከምቲ ተመን ብጒርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣሎኹ። 4 ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጸኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም። 5 ኣነ ኻብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ብሓንቲ እኳ ዝሐምቕ ኣይመስለንን። 6 ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዂሉን ኣብ ኲሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና። 7 ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ 8 ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራር ዝበዝበዝክወን። 9 ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዂሉ ድማ ርእሰይ ከየኽብደልኩም እጥንቀቕ ኣሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ። 10 ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን። 11 ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ። 12 ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ። 13 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14 ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። 15 ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንት ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ። 16 ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣይምሰሎ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17 እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኸ፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ። 18 ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ። 19 ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣሎኹ። 20 ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሐጠኩም፡ ሓደ እንተ ሐዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም፡ ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፡ ትዕገስዎ ኢኹም። 21 ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል ኣሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ኻልእ ዚደፍረሉ፡ ብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፡ ኣነውን እደፍር እየ። 22 እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ። 23 ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። 24 ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። 25 ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ። 26 ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። 27 ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቚርን ብዕርቃንን ነይረ። 28 ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዂሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባህ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንዂላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ። 29 መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧ 30 ክምካሕ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ። 31 እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ። 32 ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኺሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሐልዋ፡ 33 እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 12

1 ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ። 2 ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። 3 ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ 4 ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። 5 በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6 ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዐሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚሰምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ። 7 ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። 8 እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ 9 ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። 10 እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ። 11 ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዐሽየ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ። 12 ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዂሉ ትዕግስቲ ተገብረ። 13 ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፧ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ። 14 እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይከኽብደልኩምን እየ። 15 ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጒዲልኩም ተፍቅሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍስኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኲሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ። 16 እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን። 17 ነቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ 18 ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣስኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧ 19 ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ኻብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኲሉ ንምህናጽኩም እዩ። 20 ክመጽእ ከሎኹ፡ ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኲራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዂሽዂ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13

1 እዚ ምምጽኤይ ናባኻትኩም ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዚቐውም። 2-3 ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዂላቶምን ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ። 4 ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና። 5 ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኩም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም። 6 ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽትፈልጡ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 7 ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰንናን። 8 ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይከኣለናን እዩ። 9 ንሕና እንተ ደኸምና፡ ንስኻትኩም እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ ኣሎና። 10 ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሀበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። 11 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 12 ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኩም ኣለዉ። 13 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 1

1 ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡ 2 ኲላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ማሕበራት ገላትያ። 3-4 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሀበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 5 ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን። 6 ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ። 7 እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። 8 ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። 9 ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ። 10 ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፧ ወይስ ንሰብ ከሐጒስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፧ ገና ንሰብ ኸሐጒስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ። 11-12 እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሀርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከምቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። 13 ቀደም ብኣይ ዑድነት ክነብር ከሎኸስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጒክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 14 ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። 15 እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና 16-17 ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። 18 ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ። 19 ካብ ሃዋርያት ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኩን። 20 እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ። 21 ድሕርቲ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን መጻእኩ። 22-23 እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይስምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ። 24 ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 2

1 ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ። 2 እቲ ምድያበይ ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ። ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም። 3 ግናኸ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ጽርኣዊ ኽነሱስ፡ ምግዛር ኣየድለዮም። 4 እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኸገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሐወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ። 5 እቲ ሓቂ ወንጌል ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሕራይ ንምባል ሓንሳእ እኳ ስግጥ ኣይበልናሎምን። 6 እቶም ርኡያት መሰልቲ፡ ኣምላኽሲ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየድሉን እዩ እሞ፡ ከመይ ዝበሉ ኸም ዝዀኑ ግዶም የብለይን፡ እቶም ርኡያት መሰልትስ ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹለይን። 7-8 እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያት ኣብ ግዙራት ዝዐየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዐየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂቡኒ ምስ ረኣዩ፡ 9 እቶም ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ፡ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ እቲ እተዋህበኒ ጸጋ ምስ ፈለጡ፡ ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ግና ናብ ግዙራት፡ ምናዳ ንኣይን ንበርናባስን ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ሀቡና። 10 ነቶም ድኻታት ጥራይ ክንዝክሮም ደለዩ፡ እዚውን ክገብሮ ኢለ ባዕለይ እጋደል ነይረ። 11 ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12 ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ። ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። 13 እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝናኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ። 14 ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም ኣሎኻ፧ 15 ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ ኣይኰንናን። 16 ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኲሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና። 17 ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። 18 ነቲ ዘፍረስክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኤርኢ ኣሎኹ። 19 ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። 20 ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ። 21 ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 3

1 ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዐዘመኩም፧ 2 ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣሎኹ፡ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ እተቐበልኩም፧ 3 ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 4 ንኸንቱ እንተ ዀይኑስ፡ ክንድዚ ዚኣክል መከራዶ ንኸንቱ ጸገብኩም፧ 5-6 ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምብኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት? 7 እምብኣርከ እቶም እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ። 8 እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከምዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ። 9 እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ኪባረኹ እዮም። 10 ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዂሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። 11 ግናከ እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኺነብር እዩ እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ። 12 ሕጊ ኻብ እምነት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዚገብሮ ብህይወት ኪነብረሉ እዩ። 13-14 ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና። 15 ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዔ ኺዳን ሰብ እኳ ዜፍርሶ ወይስ ዚውስኸሉ የልቦን። 16 እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሀል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሀል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን ኣዩ። 17 እምብኣርሲ እዚ እብል ኣሎኹ፡ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኺገብሮ ኢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ቀደም ዘጽንዖ ኺዳን እቲ ድሕሪኡ በርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመጸ ሕጊ ኣየፍርሶን እዩ። 18 እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ዚኸውንሲ፡ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሀቦ። 19 እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ፡ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ። 20 ማእክላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ። 21 እምብኣርከ፡ እቲ ሕጊዶ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ መጻርርቱ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ህያው ኪገብር ዚከኣሎ ሕጊ ተውሂቡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ጽድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ ምዀነ ነይሩ። 22 እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሀብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዂሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዐጸዎ። 23 እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሀድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዐጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊውና ነበርና። 24 ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። 25 እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን። 26-27 ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። 28 ኲላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። 29 ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 4

1-2 ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። 3 ከምኡውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቚልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና። 4-5 ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተወዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። 6 ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። 7 ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ። 8 ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። 9 ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቚልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮት ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 10 መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም። 11 ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣሎኹ። 12 ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን። 13 ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 14 ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዐቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን። 15 ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሀብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ። እምበርኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም፧ 16 ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኽልክሉኹም ይደልዩ ኣለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰኑን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ። 19 ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ። 20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ። 21 ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኸም፧ እስኪ ንገሩኒ። 22 ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ። 23 ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ። 24 እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኸዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25 ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል። 26 እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ። 27 ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ 28 ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። 29 ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ። 30 እቲ ጽሑፍካ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ። 31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 5

1 ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዕት ባርነት ኣይትቈረኑ። 2 እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 3 ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግብኦ፡ ደጊመ እምስክር ኣሎኹ። 4 ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም። 5 ንሕናስ ብመንፈስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ ኣሎና። 6 ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ። 7 ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧ 8 እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። 9 ሒደት ማይ ብሑቚ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ የብኲዖ እዩ። 10 ኣነ፡ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ፡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ተኣሚነ ኣሎኸ። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና፡ ዝዀነ ይኹን፡ ፍርዲ ኺጸውር እዩ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። 12 ኣየ፡ እቶም ዜዕልውኹም ኰታ እንተ ዚቚረጹ። 13 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። 14 ማለት ኲሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። 15 ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተበላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ። 16 ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 17 ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። 18 ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። 19 እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ 20 ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ 21 ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ። 22 እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። 23 ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። 24 እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። 25 ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። 26 ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ 6

1 ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። 2-3 ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። 4-5 ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ። 6 እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ። 7 ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። 8 እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ። 9 እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። 10 እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር። 11 ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሐፍኩልኩም፡ ርኣዩ። 12 እቶም ንሰብ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብሉኹም ዘለዉ። 13 ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። 14-15 ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሐቕ። 16 ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዚኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ። 17 ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ። 18 ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 1

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ የሱስ እሙናትን፡ 2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። 3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። 4 ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ 5-6 በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። 7 ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና። 8-10 ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዂሉ ጥበብን ብዂሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ። 11-12 ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዂሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ። 13 ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም። 14 ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ። 15 ስለዚ ኸኣ ኣነ ብጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ንዂሎም ቅዱሳን ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕኩ፡ 16 ብጸሎተይ እናዘከርኩኹም ከየብኰርኩ ስሌኹም ኤመስግን ኣሎኹ። 17 ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺሀበኩም፡ 18 እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ ኣሎኹ። 19-21 ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርአሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ። 22 ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ። 23 ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዂሉ ኣብ ኲሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 2

1-2 ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። 3 ንሕና ዂላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። 4 ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ 5 ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ 6-7 ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። 8-9 ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። 10 ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና። 11 ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋ፡ በታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሀል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሀልኩም፡ ዘክሩ። 12 በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም፡ ዘክሩ። 13 ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። 14 ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ 15 ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ 16 ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዐረቖም። 17-18 ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። 19-20 እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም። 21 ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። 22 ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 3

1 ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ 2-3 ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡ 4 ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይኸነልኩም እዩ። 5 ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። 6 ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡ 7 ኣነ፡ ከም ግብሪ ሓይሉ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ። 8 ንኣይ፡ ካብ ኲሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ። 9 እቲ ኣብቲ ዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዂሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ። 10 ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡ 11 ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡ 12 ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታውን ብእኡ ኣሎና። 13 ስለዚ፡ ክብረትኩም እዩ እሞ፡ በቲ ምእንታኸም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። 14-15 ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዂሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። 16 ብመንፈስ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። 17 ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ 18 ምስ ኲሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቊመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ 19 እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኲሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ ኣሎኹ። 20 ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖም እንሐስቦን ዘለና እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኸኣሎ፡ 21 ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዂሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 4

1 ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። 2 ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ 3 ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። 4 ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ 5 ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ 6 እቲ ልዕሊ ዂሉን ብዂሉን ኣብ ኲሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዂኡን ንሱ እዩ። 7 ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። 8 ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። 9 እዚ፡ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቚ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ 10 እቲ ዝወረደ፡ ንዂሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዂሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። 11-13 ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። 14 ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዂሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ 15 ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዐብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። 16 ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብምጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባዩ ዚረክብ። 17 እምብኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳባት ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር ኣሎኹ። 18 ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦም ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ 19 ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ። 20 ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሀርኩምዎን። 21 እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ 22 ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ 23 በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ 24 እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። 25 ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። 26 ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዂራኩም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። 27 ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ። 28 እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ። 29 እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። 30 ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጒህይዎ። 31 ብዘሎ መሪርን ነድርን ኲራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኲሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። 32 ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 5

1 ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። 2 ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና ነጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ። 3 ከምቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኲሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። 4 ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። 5 ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስስዑ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም። 6 ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቊጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። 7 እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሀሉኹም። 8-10 ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። 11 ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። 12 እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። 13 ግናከ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኲሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሀድ እዩ። 14 ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሀልካ እዩ፡ ይብል። 15-16 እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዐዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብትንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። 17 ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ። 18-19 ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። 20 ንኣምላኽን ነቦን ዂሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኲሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ 21 ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። 22-23 ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 24 ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዂኩ ይተኣዘዛኦም። 25-27 ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሀበ። 28 ሰብኡትውን ከምእሪ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮ ኬፍቅርወን ይብኦም እዩ። 29-30 ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኻና ኣሎ። 31 ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። 32 እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ። 33 ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 6

1 ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። 2 ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ 3 ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። 4 ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም። 5 ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩምሲ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም። 6 ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን። 7 ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። 8 ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎ፡ ፍለጡ። 9 ኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ። 10 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። 11-12 እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኲሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። 13 ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቕዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኲሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። 14 ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። 15 ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። 16 ምስናይ እዚ ዂሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17 ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። 18 ብዂሉ ጸሎትን ልማኖን ኲሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብዂሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዂሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ 19 ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሀበኒ፡ 20 ብዛዕባኡ ብመቚሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ኸይኑ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ። 21 ግናኸ ንስኻትኩም ህልዋተይ ከመይ ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ትኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓወይን ብጐይታውን እሙን ኣገልጋልን፡ ኲሉ ኺነግረኩም እዩ። 22 ወሬና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ኪጸናናዕን እየ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። 23 ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን። 24 ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዂሎም ጸጋ ይኹን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ 1

1 ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡ 2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። 3-4 ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ጊዜ ኣብ ኲሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዂላትኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። 5 ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ፡ 6 እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 7 ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኲላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዂላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ። 8 ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዂላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። 9-11 ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዂሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ። 12 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። 13 እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኲላቶም ካልኦትን ተገልጸ። 14 ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ። 15 ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16 እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ 17 እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 18 እንታይ ደኣ እዩ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። 19 እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20-21 ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማትውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዂሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይነ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እየ። 22 እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪ፡ ኣይፈልጥን እየ። 23 በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ ኣሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ ኣሎኒ። 24 ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ። 25-26 ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኹም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዐዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐሰን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኲላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 27-28 ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን። 29-30 እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግብ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂቡኩም ዘሎ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ 2

1 እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ 2 ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። 3 ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። 4 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። 5 እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። 6 ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። 7 መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። 8 ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እብኳ ደኣ ተኣዘዘ። 9-11 ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዂሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዂሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኲሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ። 12-13 ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዂሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። 14-16 ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዐርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዂሉ ብዘይምጒርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። 17 ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኲላትኩምውን እሕጐስ ኣሎኹ። 18 ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ። 19-20 ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲበ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኹም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 21 ኲላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። 22 ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። 23 እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹ፡ ቀልጢፈ ንእኡ ኽሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 24 ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እእመን ኣሎኹ። 25-26 ንኤጵፍሮዲጦስ፡ ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምን፡ ኣነ ብዝደሌዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዂላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሀየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። 27 ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ ንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። 28 ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ኪቐልል፡ ቀልጢፈ ሰደድክዎ። 29-30 ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ፡ ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዂሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ 3

1 ብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ባህ ይበልኩም። እዚ መሊሰ ንምጽሓፍ ንኣይ ጭንቂ ነገር ኣይኰነን፡ ንኣኻትኩም ግና ንጽንዓትኩም እዩ። 2 ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቊርራጽ ተጠንቀቑ። 3 ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡ 4 ብስጋ እኳ ዝእመነሉ ዘሎኒ ኽነሰይ፡ ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዚእመኑሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣነ ግዳ ዝበለጸ ኣሎኒ። 5 ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ብሕጊ ፈሪሳዊ፡ 6 ብቕንኣት ስጓጒ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ። 7 እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። 8-9 ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዂሉ እተወጻዕኩ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። 10-11 ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ ኣሎኹ። 12 ኣነ ነቲ ንእኡ ክኽውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። 13 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ 14 ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ ኣሎኹ። 15 እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዂልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ። 16 እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ። 17 ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ። 18 ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልክኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። 19 መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። 20 ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና። 21 ንሱ በቲ ንዂሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ፊልጵስዩስ 4

1 እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ። 2 ሓሳበን ንጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ ኣሎኹ። 3 እወ፡ እታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን። 4 ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። 5 እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኲሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። 6 ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 7 እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። 8 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። 9 ነቲ ኻባይ እተመሀርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 10 ደጊምሲ ኽትሐስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሐሲብኩም ኔርኩም። 11 ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። 12 ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኲሉን ብዂሉን ልሙድ እዩ። 13 በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዂሉ እኽእሎ እየ። 14 ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም። 15 ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ንውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሐበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 16 ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ጊዜን ካልኣይ ጊዜን ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ። 17 ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ኪበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18 ሕጂ ግና ኲሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉውን ኣሎኒ። እቲ ኻባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጒስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ ኣሎኹ። 19 ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ። 20 ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለም ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 21 ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 ኲሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 23 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆላስይስ 1

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ 2 ነቶም ኣብ ቈሌሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 3-4 እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዂሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኲሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን ኣሎና። 5 ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡ 6 ናባኹም ዝመጸ ኣብ ኲላ ዓለምውን እናፈረየን እናዐበየን ዚኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ 7 ከምቲ ኻብ ኤጵፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሀርኩምዎ፡ 8 ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ። 9 ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በታ ፍልጠት ፍቓዱ ብዂሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። 10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዐቤኹምን ብዂሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ ኣሎና። 11 ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዂሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሉ ኽብሩ በርቲዕኩም፡ 12 ነቲ ናይ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡ 13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። 14 ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡ 15 ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዂሪ ዂሉ ፍጥረትውን እዩ። 16 ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰነ ወይስ ጒይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኲሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ፡ ኲሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። 17 ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዂሉ እዩ፡ ኲሉውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ። 18 ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዂሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዂሪ እዩ። 19 ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ ኣሎ እሞ፡ 20 ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለን ዂሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። 21 ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡ 22-23 ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዂሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዜብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቚመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዐረቐኩም። 24 ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ ኣሎኹ። 25 ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኲሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ። 26 ማለት፡ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡ 27 ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ። 28 ንሕና ድማ፡ ንዂሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቚሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዂሉ ሰብ እናመዐድና፡ ንዂሉ ሰብውን እናመሀርና ንነግር ኣሎና። 29 ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣሎኹ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆላስይስ 2

1 ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። 2 ብፍቕርን ብዂሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ንሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡ 3 ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ። 4 ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። 5 ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩ ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ ኣሎኹ። 6 ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። 7 ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሀርክምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ። 8 ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። 9 ኣብኡ ብዘሎ ምሉኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡ 10 ንሱ ርእሲ ዂሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም ኣሎኹም። 11 ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። 12 ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። 13 ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። 14 ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። 15 ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም። 16 ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረደልኩም። 17 እዚ ነቲ ዝመጽእ ጽላሎቱ እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ። 18 ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። 19 ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዐብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። 23 እዚ ብትሕት ሓሳብን ብምሕጻም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ ኣለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆላስይስ 3

1 ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። 2-3 መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። 4 ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። 5 ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ 6 ብሰሪ እዚ ነገርዚ ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። 7 ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። 8 ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዂሉ ድማ፡ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። 9-10 ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። 11 ክርስቶስ ኲሉን ኣብ ኲሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። 12 እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። 13 ንሓድሕድኩም እናተጸወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። 14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። 15 ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማሰውቲ ኹኑ። 16 ብመዝሙር ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዐዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዂሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። 17 ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዂሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። 18 ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 19 ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። 20 ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዂሉ ተኣዘዝዎም። 21 ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዐርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። 22 ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናገራህኩም ተኣዘዝዎም። 23-24 ነቲ ዓስቲ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። 25 እቲ ዝዐመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዐመጾ ኺፍደ እዩ። ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቆላስይስ 4

1 ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም። 2 ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። 3-4 እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲሩ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራብ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ። 5 ጊዜ እናዐደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። 6 ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዂሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን። 7 ጥኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን፡ ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኬፍልጠኩም እዩ። 8 ብዛዕባ ህልዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ኬህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። 9 ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዂሉ ኺነግሩኹም እዮም። 10 እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓው ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። 11 ዮስጦስ ዚብሀል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። 12 እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዂሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኲሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 13 ንሱ ምእንታኹምን ንእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ ኣሎኹ። 14 ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 15 ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም። 16 እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዲቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ። 17 ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ። 18 እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሔይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 1

1 ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 2-3 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትንኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዂሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። 4 ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ምሕራይኩም ስለ ዝፈለጥና፡ 5 ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ እቲ ወንጌልና፡ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጻኩምን። 6 ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም። 7 ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዂላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም። 8 እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ ኣላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዔ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ። 9-10 ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 2

1 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኣሎኹም። 2 ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን፡ ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና። 3-4 እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰነናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡ 5 ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብቓል ቅብጥር ወይስ እናኣማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምን፡ ኣምላኽ ምስክርና እዩ። 6 ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚከኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን። 7 ኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምቲ ውሉድ እትሐቊፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና። 8 ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና። 9 ኣሕዋተየ፡ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ኢልና፡ ለይትን መዓልትን እናዐየና ወንጌል ኣምላኽ ሰበኽናልኩም። 10 ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም። 11-12 ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቚዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና። 13 ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ዚዐዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና። 14 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም። 15-16 ንጐይታና የሱስ ንነብያት ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዂሉ ሰብውን ይጻረርዎ ኣለዉ። ከምዚ ዂሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም ኣሎ። 17 ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ ብገጽ ንቕሩብ ጊዜ ኻባኻትኩም እተፈሌና፡ ገጽኩም ክንርኢ ብብዙሕ ናፍቖት ኣዚና ተሀዊኽና ኣሎና። 18 ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሌና፡ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ደልየ ነይረ፡ ግናኸ ሰይጣን ዐገተና። 19-20 ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጽኣቱኸ ተስፋና፡ ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ? ንስኻትኩም ደይኰንኩምን?

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 3

1 ስለዚ ኻብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና። 2-3 በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ። 4 እምብኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎውን፡ ከምኡ ዀነ። 5 ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ። 6 ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባይ መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና፡ 7 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኲሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና። 8 ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር ኣሎና። 9-10 ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ። 11 ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስ መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ። 12-13 በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 4

1-2 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሃብናኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። 3 ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ 4-5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። 6-7 ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዂሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። 8 ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። 9 ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 10 እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዂላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ዘሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። 11-12 ከምቲ ዝአዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። 13 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 14 ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝየንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ስደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። 15 ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም ኣሎና። 16 ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሙቱውን ቅድም ኪትንስኡ፡ እዮም። 17 ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ኽለዐል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። 18 ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 5

1-2 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። 3 ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዝሕህዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም። 4-5 ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። 6 ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ። 7 እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ። እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። 8 ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድንሓንውን ከም ቊራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲድና ንጠንቀቕ። 9 ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቚጥዓስ ኣይመደብናን። 10 ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ። 11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ። 12 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹም ዚምዕድኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም ኣሎና። 13 ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። 14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዂላቶም ተዐገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ኣሎና። 15 እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኲሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ። 16 ኲሉ ሳዕ ተሓጐሱ። 17 ከየባተኽኩም ጸልዩ። 18 እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ህኲሉ ኣመስግኑ። 19 መንፈስ ኣይተጥፍኡ። 20 ትንቢት ኣይትንዐቑ። 21 ንዂሉ ተዐዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። 22 ካብ ክፉእ ዘበለ ዂሉ ርሐቑ። 23 ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንኸለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ። 24 እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ። 25 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ። 26 ንዂላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም። 27 ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ። 28 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 1

1 ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን። 2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ዝለ ዝዐበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኲላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዐዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። 4 እምበኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዂሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና። 5 ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። 6-7 በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘሎን ምሳና ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ 8 ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። 9-10 እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተኣሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝእመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሕሕቖም ኪቕጽዑ እዮም። 11-12 ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኲሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ኪፍጸም፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 2

1-2 ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም ኣሎና። 3-4 ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሀል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ትፍኣት፡ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኾነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። 5 ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ኸም ዝነገርኩኹምከ፡ ኣይትዝክርዎን ዲኹም 6 ንሱ በቲ ግዝያቱ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኣሎኹም። 7 ምስጢር ምፍራስ ሕግስ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ጥራይ ካብ ማእከል ክሳዕ ዚጽረግ ድሮ እኳ ይዐዪ ኣሎ 8 እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ፡ ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ። 9-10 እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዂሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዂሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን። 11-12 ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚበሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዂሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም። 13 ግናኸ ኣቱም ብጐይታ ፍቑራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። 14 ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም። 15 ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሀርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ። 16 ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሀበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡ 17 ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጸናንዕን የበርትዕን።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ 3

1-2 ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። 3 ግናኸ እቲ ዜጽናዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ። 4 እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባካትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና። 5 ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። 6 እምበኣርከስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝእዝዘኩም ኣሎና። 7-8 ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 9-10 ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። 11 ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና። 12 ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና። 13 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፡ 14 ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። 15 ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዐድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ። 16 እምበኣርከስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኸሉ ወገን፡ ኲሉ ሳዕ ሰላም ይሀብኩም። ጐይታ ምስ ኲላትኩም ይኹን። 17 እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኲሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። 18 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 1

1 ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡ 2 ናይ ጢምቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦኣን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። 3-4 እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቚጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዐድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ። 5 እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ። 6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡ 7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዮ። 8 ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 9 ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10 ነመናዝር፡ ግብሪ ሶዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ። 11 እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ። 12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሀበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ ኣሎኹ። 13 ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጒን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። 14 ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዐዘዘ። 15 ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ። 16 ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዂሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። 17 እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን። 18-19 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለልካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ፡ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቊበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ፡ 20 ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 2

1-2 እምብኣርከ ስለ ዂሉ ሰብ፡ ብዂሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዂሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዂሉ እምዕድ ኣሎኹ። 3-4 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። 5 ማለት፡ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። 6 ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዂሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ፡ 7 ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። 8 እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኲራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ኺጽልዩ፡ እደሊ ኣሎኹ። 9-10 ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቚ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ ኣሎኹ። 11 ሰበይቲ ብዂሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሀር። 12-13 ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። 14 ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። 15 ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 3

1 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። 2 እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሃር ብቑዕ ኪኸውን ይግብኦ። 3 ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይበኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። 4-5 ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ? ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዂሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። 6 ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። 7 ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶማብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። 8-9 ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። 10 እዚኣቶምውን ቅድም ይመርምሩ፡ መንቕብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። 11 ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዂሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። 12-13 እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቖም ዜስተናብሩ ይኹኑ። 14 ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣሎኹ፡ 15 እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ ኣሎኹ። 16 ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዐረገ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 4

1 በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ። 2 ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ 3 መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ ኣለዉ። 4-5 እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። 6 ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዐብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። 7 ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። 8 እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዂሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 9 እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ። 10 በቲ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና። 11 እዚ ኣዝዝን ምሀርን። 12 ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነቲ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ። 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። 14 ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15 እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኲሉ ምእንቲ ኺግልጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። 16 ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 5

1 ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዐዶ እምበር፡ ኣይዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዐዶም። 2 ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዂሉ ንጽህና ምዐደን። 3 ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን። 4 ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ። 5 እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። 6 እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወት ኸላስ ምውቲ እያ። 7 ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ኪዀኑስ፡ እዚ ድማ ኣዝዝ። 8 ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ። 9-10 ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሀወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዐበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። 11 ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዐልን፡ ኪምርዐዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን። 12 ንሳተን፡ ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። 13 ኣብ ልዕልዚውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዚምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን። 14 እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዐዋ፡ ውሉድ ኪወልዳ፡ ቤተን ኪሕዛ፡ ጸላኢ ዚጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ ኣሎኹ። 15 ገሊኤንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለን፡ ደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን ኣለዋ። 16 ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ። 17-18 እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፡ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። 19 ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። 20 ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ግንሓዮም። 21 ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እኳ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። 22 ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሐሉ። 23 ደጊም ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ። 24 ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ። 25 ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፡ እቲ ዘይግሉጽውን ኪስወር ኣይከኣሎን እዩ።

1ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 6

1 እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዂሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዚግብኦም ይቚጸርዎም። 2 እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለውዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዐቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዚጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምዃኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሀርን ምዐድን። 3 ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሀረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስን በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ 4-5 ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፋሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዚመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም። 6 ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። 7 ማለት፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። 8 ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይኣክለና። 9 እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጒድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። 10 እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኲሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። 11 ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ስዐብ። 12 ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ። 13-14 ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዂሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእማን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ ኣሎኹ። 15 ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ 16 ንሱ በይኑ ዘይመውትን፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኸእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። 17 ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዂሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም። 18 ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪኸኑ፡ 19 ናይ ብሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም። 20-21 ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 1

1 ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡ 2 ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን። 3-5 እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ - ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ - ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናፈቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። 6-7 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ። 8 ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱሩ ኣይትሕፈር። 9 ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። 10 ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዐሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡ 11 ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብን ክኸውን ተሸምኩ። 12 ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላው ኸም ዚከኣሎ ተረዲኤዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይሕፍርን እየ። 13 ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ። 14 ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሐዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሐልዎ። 15 እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዂላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ ኣሎኻ። 16-17 ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቚሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሀቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 2

1 ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። 2 እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም። 3 ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4 ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። 5 ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6 እቲ ዚዐዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቅድም ግዲኡ ኺወስድ ይግብኦ እዩ። 7 እግዚኣብሄር ብዂሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ። 8 ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ኻብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። 9 ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቐጺረ ኽሳዕ መቚሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። 10 ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዂሉ እዕገስ ኣሎኹ። 11 እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። 12 እንተ ተዐገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ፡ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ። 13 ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር። 14 ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም፡ ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም። 15 ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር። 16 ነቲ ፍረ ዜብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡ 17 እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ኢሌጦስን ካባታቶም እዮም። 18 ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕዲ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ። 19 እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ። 20 ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። 21 እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ። 22 ካብ ትምኒት ጒብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣስኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዐብ። 23 ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። 24 ባርያ እግዚኣብሄር ንዂሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ። 25 ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሀቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ 26 ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 3

1 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። 2 ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘይማስዉ፡ ርኹሳት፡ 3 ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4 ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ 5-7 እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። 8 ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ብጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። 9 ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዂሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም። 10 ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ። 11 ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኲሉ ኣድሐነኒ። 12 ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዂሎም ኪስጐጉ እዮም። 13 እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። 14-15 ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። 16-17 እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

2ይ መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ 4

1-4 ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። 5 ንስኻ ግና ብዂሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። 6 ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ 7 ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሐልየ። 8 ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። 9 ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። 10 ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማጥያ ኸዱ። 11 ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ። ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። 12 ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣሎኹ። 13 ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጽሓፍትን ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። 14 እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 15 ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ። 16 ኣብቲ ቐዳማይ ምጒተይ፡ ኣይትሐዘሎም፡ ኲላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። 17 እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኲሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቑመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። 18 እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 19 ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎርስን ሰላም በለለይ። 20 ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ ኣሎኹ። 21 ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውዳውያን ኲላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 22 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቲቶ 1

1 ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡ 2 በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ 3 ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡ 4 ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። 5 ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትርስዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ 6-8 እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። 9 ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኸምዕድ፡ ነቶም ተቓናቓንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከኣሎ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ። 10 ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም። 11 ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሀሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባበጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ። 12 ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኲሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሀካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ። 13-14 እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም። 15 ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርዂሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን። 16 ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቲቶ 2

1 ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ 2 እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ 3 እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ 4-5 ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብማኤን ምዐደን። 6 ነጒባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዐዶም። 7-8 ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ኽፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስኻ ኣርኣያ ግበር። 9-10 ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዂሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዂሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዐዶም። 11 ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዂሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ 12-13 እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ። 14 የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። 15 እዚ ብዂሉ ስልጣን ንገርን ንዐድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዐቕካ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ቲቶ 3

1 ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ 2 ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዂሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። 3 ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፋናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። 4 እቲ ናይ መድሓኒ፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ 5 ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። 6-7 ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። 8 እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። 9 ናይ ዕሽነት ክርክርን ቊጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫው ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። 10-11 ነቲ ወረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ። 12 ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርጤማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ። 13 ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም። 14 እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሀሩ። 15 ምሳይ ዘለዉ ዂሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዜፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ በለልና። ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ፊልሞና 1

1 ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡ 2 ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን። 3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 4-7 ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። 8 ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ 9 ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ ኣሎኹ። 10 ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐውሔይ ኰይኑ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔሲሞስ እልምነካ ኣሎኹ። 11 ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፡ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ ኣሎኹ። 12 ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ። 13 ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ። 14 ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን። 15 እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን። 16 ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን። 17 እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ። 18 ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዐድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቊጸሮ። 19 ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሐፍክዎ፡ ርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ኸይብለካ፡ ኣነ እፈድዮ። 20 እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ። 21 ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ። 22 ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሀበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይ። 23 ኤጳፍራስ፡ ብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ፡ 24 ከምኡውን እቶም መዓይይተይ፡ ማርቆስ፡ ኣርስጢርኮስ፡ ዴማስ፡ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 25 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 1

1 ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ 2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡ 3 ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኲሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ። 4 ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸል 5 እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ፡ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ፡ ዝበሎ 6 ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዂሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ፡ ኲላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ፡ ይብል። 7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃታ ሓዊ ዚገብር፡ ይብል። 8 ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣታ ኣምላኸይ። ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡ 9 ጽድቂ ፈቶካ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል። 10 ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኲሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። 12 ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል። 13 እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ 14 ኲሎምዶ፡ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 2

1 ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። 2 እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ፡ ኲሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል፡ 3-4 ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቚ ይከኣለና? 5 ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘሎና እትመጽእ ዓለምሲ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። 6 ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ ኣሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ኽትኣልዮ፡ እንታይ እዩ 7 ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግብርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ። 8 ንዂሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዂሉ ኼግዝአሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሐደገን። ግናኸ ኲሉ ኸም ዚግዝኦ፡ ንሕና ገና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና። 9 ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዂሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ ኣሎና። 10 እቲ ዂሉ ምእንታኡ ዂሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽም ተገብኦ። 11-12 ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኲላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ። 13 ደጊም ኸኣ፡ ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ እሞ፡ ከም ብሓድሽውን፡ እኔኹ፡ ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሀበኒ ውሉድን፡ ይብል። 14-16 እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። 17 ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዂሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመልሶም ተገብኦ። 18 ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎ እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 3

1-2 ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኹም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናብ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። 3 ከምቲ እቲ ስራሕ ቤት ካብቲ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ ኣሎ። 4 ቤት ዘበለትሲ ስራሒኣ ኣለዋ፡ እቲ ንዂሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ። 5 ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ኪንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ነበረ፡ 6 ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና። 7 ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ 8 ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። 9 ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዐዘቡ ፈተኑኒ፡ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ። 10 ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀሬኸሉ እሞ፡ ኲሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን፡ በልኩ። 11 ብቚጥዓይ ድማ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሐልኩ። 12-13 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። 14 ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣሎና። 15 ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ እናተባህለ፡ 16 ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዂላቶም ደይኰኑን 17 ንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፡ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን 18 ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን 19 ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን፡ ንርኢ ኣሎና።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 4

1 እምኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። 2 ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቕሞምን። 3 ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቚጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። 4 ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኲሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ፡ ኢሉ ኣሎ። 5 ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። 6 እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ 7 ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎም ብምባሉ ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ። 8 እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። 9-10 እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። 11 ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣይ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል። 12 ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጒዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። 13 እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዂሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። 14-15 ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ። 16 ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 5

1 ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኸስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም፡ 2 ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቚርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ዚኽእል እዩ፡ 3 ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ተገብኦ። 4 ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። 5 ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽበሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። 6 ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል። 7 ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከኣሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ 8 ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። 9-10 ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም። 11 ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። 12 ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። 13 ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዂሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። 14 ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 6

1-2 ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። 3 ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና። 4 ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዐሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ 5 እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዐሙ፡ 6 እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግህዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ። 7 እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሀበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ። 8 እሾዂን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ። 9-10 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን ኣሎና። 11-12 ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ ኣሎና። 13-14 ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዐቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካን፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ። 15 ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸብዩ ነታ ተስፋ ረኸባ። 16 ሰባት በቲ ኻልኦም ዚዐቢ እዮም ዚምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዂሉ ምጒቶም ይውድኣሎም እዩ። 17 ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዩ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ፡ 18 በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሀዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። 19-20 ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተኣትወና ተስፋ ኣላትና።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 7

1 እዚ መልክጼዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ 2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኲሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጒም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቊጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ። 4 ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሀቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ። 5 ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቲ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ ኣለዎም። 6 እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። 7 ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዐብዮ ይምረቕ እዩ። 8 ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። 9 እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሀበ፡ 10 ማለት፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ። 11 እምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሀል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፡ 12 ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ። 13 እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን። 14 ጐይታናስ ካብ ይሁዳ፡ ሙሴ ብናይ ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። 15 ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡ 16-17 ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን። 18 እቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡ 19 ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሐይሽ ተስፋ ኣተወት። 20-21 እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ - እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡ - 22 ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነ። 23 እቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። 24 እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት ኣለዎ። 25 ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ። 26 ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈለየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። 27 ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። 28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 8

1-2 ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዚመሰል ሊቀ ኻህናት ኣሎና። 3 ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ እሞ፡ ስለዚ ነዚውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ብግዲ እዩ። 4 እምብኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ኻህን ኣይምዀነን ነይሩ፡ 5 እቲኣቶም ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎታን ዜገልግሉ፡ ንሙሴ፡ እቲ ድንኳን ኪገብር ኪደሊ ኸሎ፡ ብራእይ ከም እተባህለሉስ፡ ኲሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝርኤኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል፡ በሎ። 6 ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሐይሽ ተስፋ እተስረተ፡ ዚበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ። 7 ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መነቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። 8 ስለዚ ኸኣ እናነቐፎም ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 9 ከምታ ብኢዶም ሒዘ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፡ ኣነውን ሸለል በልክዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10 ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11-12 ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢሉ ኣይኪምህርን እዩ። 13 ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 9

1 ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄር ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። 2 ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። 3 ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሀል ነበረት። 4 ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዂሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡ 5 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ። 6 እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኲሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳን፡ ኣገልግሎቶም ኬብጽሑ፡ ይኣትዉ እዮም። 7 ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። 8 እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ ኣሎ። 9 ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ኪገብሮ ዘይከኣሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ ኣለዉ። 10 እዚ ምስ መባልዕን መስቴታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ። 11 ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉስን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ 12 ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። 13 ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዂስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ 14 ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ 15 በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝኸነ። 16 ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ኪኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ 17 ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዜስልጥ የብሉን። 18 ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። 19-20 ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ፡እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጒርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኲሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። 21 ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዂሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። 22 ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኲሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ። 23 እምብኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኺጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሔሸ መስዋእቲ ኺጸሪ ናይ ግዲ ነበረል 24 ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። 25 ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ንሱስ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይኣተወን። 26 ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ። 27 ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ 28 ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 10

1 ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመት ኲሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከኣሎን እዩ። 2-3 ግናኸ ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዚነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዐረፉን ነይሮም? 4 ማለት፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ። 5 ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡ 6 ብዚሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእን ባህ ኣይበለካን። 7 ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በልኩ። 8 ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዜቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዚሐርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ ኣይደሌኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡ 9 ደሓር ከኣ፡ እንሆ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ኬጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዐሮ። 10 በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣሎና። 11 ካህን ዘበለ ዂሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ኬርሕቖ ከቶ ዘይከኣሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። 12-14 ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። 15 መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረልና ኣሎ፡ 16 ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ 17 ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እየ፡ ይብል። 18 እምብኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ። 19-20 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ 21 ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዚህልወናስ፡ 22 ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። 23 እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። 24 ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። 25 እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኸም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ። ኣኼባና ኣይንሕደግ። 26-27 ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። 28 እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። 29 ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸርፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም 30 ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕጊ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። 31 ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ። 32 ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ 33 ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ 34 ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ኸነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዐገስኩም። 35 እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። 36 ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። 37 ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጒን ከኣ እዩ። 38 ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። 39 ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 11

1 እምነት ግና ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። 2 ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። 3 ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ ኣሎና። 4 ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእአ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገለ ብእኣ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። 5 ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዐዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ፡ ኣይተረኽበን። 6 ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። 7 ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእአ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ኸነ። 8 ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። 9-10 ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። 11 ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሀባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12 ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቚጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። 13 እዚኦም ኲላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። 14 እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። 15 ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። 16 ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊዉሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሀል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። 17-18 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። 19 ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። 20 ይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። 21 ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በቱ ተመርኲሱ ኸኣ ሰገደ። 22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሀበ። 23 ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። 24 ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ 25 ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዝብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ 26 ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። 27 ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዂራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። 28 እቲ በዂሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። 29 ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። 30 ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። 31 ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። 32 እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። 33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዐሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸዉ፡ 34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። 35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ምሕረት ኣይደለዩን። 36 ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቚሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። 37 ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ። 38 ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጒድ ምድርን ኰለል በሉ። 39-40 ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኲላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 12

1 ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣኽል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዂሉ ዚኸብደና ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጒየ። 2 ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። 3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ። 4 ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። 5-6 እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዐቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም። 7 ቅጽዓት እንተ ተዐገሰኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ 8 ብዘይ እታ ዂሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። 9 ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ 10 እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። 11 ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜእሪ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ። 12 ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡ 13 እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ። 14 ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን። 15 ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቚሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ። 16 ክላምጥሕ ንሓደ ብልዒ ብዂርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። 17 ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም። 18 ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡ 19 ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን። 20 ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከዮስ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይተኻእሎምን። 21 ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢት ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ። 22 ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብቲ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ 23 ናብ ጉባኤ ዂሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዂራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኲሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማት ጻድቃንን፡ 24 ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም። 25 እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ኺዛረቦም ከሎ፡ ኣብዮም ካብ ዝየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ ስለዚ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። 26 ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተስፋ ይህብ። 27 እዛ፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልከት ዘላ። 28-29 ኣምላኽና ዚባላዕ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሕጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።

መልእኽቲ ፓውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን 13

1 ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። 2 ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። 3 ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። 4 ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኲሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። 5 ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኩም ዕገቡ። 6 ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ ንበል። 7 ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዐቡ። 8 የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። 9 ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። 10-11 እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና። 12 ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። 13-14 ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። 15 እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። 16 ኣምማእኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። 17 ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ። 18 ብዂሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ ኣሎና እሞ፡ ጸልዩልና። 19 ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም ኣሎኹ። 20 ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ 21 ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 22 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ። 23 ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ። 24 ንዂላቶም መራሕትኹምን ንዂላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 25 ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

መልእኽቲ ያዕቆብ 1

1 ያእቆብ ናብ ኣምላኽን ናብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ። 2 ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዂሉ ኸም ሓጐስ ቊጸርዎ። 3 እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ 4 ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። 5 ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዂሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። 6 እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። 7-8 ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዂሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። 9 እቲ ልጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። 10 እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። 11 ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። 12 ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። 13 ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ፡ ኣይበል። 14 ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። 15 ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። 16 ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። 17 ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። 18 በዂሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። 19-20 ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኲራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። 21 ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። 22 ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። 23 ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። 24 ነፍሱ ይርኢ እሞ። ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። 25 እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። 26 ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጒም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። 27 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

መልእኽቲ ያዕቆብ 2

1 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። 2 ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እንተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡ 3 እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ 4 ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ 5 ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ 6 ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ 7 ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ 8 ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም። 9 እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። 10 ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዂሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። 11 እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እተቐትልስ መፍረስ ሕጊ ኢኻ። 12-13 ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምኡውን ግበሩ። 14 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ 15 ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ 16 እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ 17 ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። 18 ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። 19 ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። 20 ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21 ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብርሩ ኣይጸደቐን፧ 22 እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ። 23 እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። 24 ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ ኣሎኹም። 25 ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ 26 እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

መልእኽቲ ያዕቆብ 3

1 ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ። 2 ኲላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጒም ዚኸኣሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። 3 እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም ኣሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ። 4 እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኸንሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዚቃንዓ። 5 ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። 6 ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። 7 ኲሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን ኣሎ። 8 ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። 9 ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። 10 ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። 11 ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ 12 ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፡ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልል ኣይከኣላን እዩ። 13 ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14 መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። 15-16 ኣብቲ ቕንእን ወራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኲሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። 17 እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። 18 ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

መልእኽቲ ያዕቆብ 4

1 እቲ ኣብ ማእከልኩ ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧ 2 ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን። 3 ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም። 4 ኣትን ዘመውት፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምብኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። 5 ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧ 6 ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። 7 እምብኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። 8 ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእድውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። 9 ተሸገሩን ጒሀዩን ብኸዩን። ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። 10 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። 11 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርዱ ግና፡ ፍራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። 12 እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድካ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧ 13 እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ 14 ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። 15 ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ ኣሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ 16 ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዂሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። 17 እምብኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

መልእኽቲ ያዕቆብ 5

1 ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ። 2 ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። 3 ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ኪምስክረልኩም እዩ፡ ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዖ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ ኣኪብኩም ኣሎኹም። 4 እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኺም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጸባኦት በጺሑ ኣሎ። 5 ኣብ ምድሪ ሐንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፡ ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም። 6 ፈሪድኩም፡ ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩምዎ፡ ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ። 7 እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ፡ እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽባሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። 8 ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ። 9 ኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ ኣሎ። 10 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። 11 እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም። 12 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዂሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ። 13 ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ ኣሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር። 14 ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። 15 እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። 16 እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብሪ ብዙሕ ተስልጥ እያ። 17 ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን። 18 ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። 19 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበል፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ 20 እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ።

1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 1

1 ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢታንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡ 2 ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝ ብደም የሱስ ክርስቶስ ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ። 3-4 እቲ፡ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ፡ 5 ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም ኣሎኹም። 6-7 እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስን ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዂላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ኸቢሩ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጒሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። 8-9 ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። 10 እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ 11 እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስን በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘምን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ 12 ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም። 13 ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። 14 ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቊርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ 15-16 ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዂሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። 17 ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 20 ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21 ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። 22-23 ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ 24 ኲሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኲሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ 25 ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 2

1 እምብኣርሲ ንዂሉ ኽፍኣትን ኲሉ ጒርሕን ግብዝናን ቅንእን ኲሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። 2-3 እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። 4 ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5 ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሀነጹ። 6 ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ ኣሎ። 7 ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8 እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9 ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። 10 ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ምሑራት ኢኹም። 11 ኣቱም ፍቁራተየ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። 12 እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። 13-15 ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። 16 ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ። 17 ንዂሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ። 18 ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተኣዘዝዎም። 19 ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። 20 ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩምከ፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21 ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22 ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኸበ፡ 23 ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገረ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፋራርሄ። 24 ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቚስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። 25 ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።

1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 3

1-2 ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 3-4 ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5 ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6 ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። 7 ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ። 8 መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኲላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9 ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። 13 ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገብረኩም፧ 14 ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። 15 ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኲሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። 16-17 ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። 18 ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19 ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ 20 ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። 21 እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። 22 ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፡ ንእኡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ።

1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 4

1-2 ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። 3 እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ መስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። 4 ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። 5 ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። 6 ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኰይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ። 7 ግናኸ መወዳእታ ዂሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። 8 ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዂሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም። 9 ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። 10 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11 ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ይኹኖ። ኣሜን። 12 ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። 13 ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ። 14 ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 15 ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16 ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር። 17 እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 18 እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧ 19 ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ።

1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 5

1 እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ 2 ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ 3 ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኸኑ። 4 እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። 5 ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐበዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኲላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። 6 ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7 ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንኲሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። 8 ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። 9 እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። 10 እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፡ ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ። 11 ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። 12 ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓውና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 13 እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 14 ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኲላትኩም ሰላም ይሀሉኹም። ኣሜን።

2ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 1

1 ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡ 2 ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታና የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላምን ይብዛሕ። 3 እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኲሉ ኻብ ዚህበና፡ 4 ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ 5 ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ 6 ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ 7 ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዂሉ ሰብ። 8 እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኹም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያት ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እየ። 9 እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። 10 ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኸምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። 11 ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሃኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ። 12 ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ዂሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ። 13-14 ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸምዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። 15 ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኲሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር ኣሎኹ። 16 ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። 17 ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። 18 ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። 19 ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግህ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም። 20 ኲሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዂሉ እዚ ፍለጡ። 21 ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።

2ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 2

1 ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። 2 ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። 3 ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም ፍርዶም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ። 4 ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቚሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡ 5 ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ኻብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። 6 ነቶም ደሓር ዚመጹ በደልኛታት መሰኽሒ ገይርውን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሐመዂስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። 7 ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ፡ 8 ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነበር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት። 9 እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተነ ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ። 10 ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱ፡ ንጒይትነት ከኣ ዚንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡ 11 መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። 12 እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ 13 ዓስቢ ዓመጻኦምውን ኪቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎ። ርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ ኣለዉ። 14 ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሐብልወን፡ ስስዔ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም። 15 ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ። 16 ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፡ ንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዐገተት። 17 ንሳቶም ማይ ዜብሉ ዒላታትን ማይ ዚኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪቡሎም ኣሎ። 18 ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሐባብሉ፡ 19 እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮስ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም ኣለዉ። 20 ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። 21 ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱድ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩ። 22 ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቲ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም ኣሎ።

2ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ 3

1-2 ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ ኣሎኹ። 3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዀሉ እዚ ፍለጡ። 4 ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዂሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም። 5 ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዉ። 6 እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት። 7 እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቚሩ ኣሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ። 8 ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። 9 ጐይታስ፡ ኲላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጒዮን እዩ። 10 መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። 11-12 ደጊም እዚ ዂሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። 13 ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። 14 ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። 15 ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቊጸርዎ። 16 ንሱ ኣብ ኲላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓያሎ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቚርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ ኣለዉ። 17 ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም ኣናፈለጥኩምሲ፡ በስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ። 18 ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

1ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 1

1 እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ 2 ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡ 3 ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኸህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። 4 ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና። 5 እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። 6 ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። 7 ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። 8 ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። 9 ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 10 ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።

1ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 2

1 ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኸ። ሓደ እኳ ሓጢእት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። 2 ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኲላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። 3 ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። 4 ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። 5 እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 6 እቲ፡ ኣብኡ እነብር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። 7 ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። 8 ከምቲ ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ ኣሎ። 9 ኣብ ብርሃን ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። 10 እቲ ንሓው ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። 11 እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። 12 ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። 13 ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 14 ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 15 ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ፡ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። 16 ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። 17 ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር። 18 ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። 19 ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኲላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀዱ እዮም ዝወጹ። 20 ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኩም፡ ንዂሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። 21 ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዎስ ኣይኰንኩን፡ ኲሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። 22 እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። 23 ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዂሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ ነቲ ኣቦ ኣለዎ። 24 ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25 እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። 26 ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። 27 ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዂሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 28 ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። 29 ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዂሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።

1ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 3

1 ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። 2 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ ኣሎና። 3 እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዂሉ፡ ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝኸነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ። 4 ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ 5 ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። 6 እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዂሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን። 7 ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። 8 ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ነዚ እተገልጸ። 9 ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። 10 ጽድቂ ዘይገብርውን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። 11 ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። 12 ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ። 13 ኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ። 14 ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። 15 ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዂሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዂሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። 16 ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ። 17 ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፡ 18 ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። 19-20 ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኲሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚ ኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። 21 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 22 ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብል እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። 23 ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። 24 እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።

1ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 4

1 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዂሉ ኣይትእመንዎ። 2 ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ። 3 የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4 ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም ኣሎኹም። 5 ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ ኣለዉ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6 ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8 ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9 ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። 10 ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣት መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። 11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። 13 ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 14 እቲ ኣቦ ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን ኣሎና። 15 የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16 ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17 ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። 18 ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። 19 ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። 20 ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 21 እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓው ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

1ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 5

1 ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዂሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ። 2 ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 3 ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። 4 ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዂሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። 5 ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ 6 እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ። 7 እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ። 8 እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም። 9 እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ። 10 ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጢ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። 11 ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። 12 እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን። 13 ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ። 14 ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። 15 ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና። 16 ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘይብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ። 17 ዓመጻ ዘበለ ዂሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ። 18 እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና። 19 ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። 20 ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። 21 ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።

2ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 1

1 ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፡ ኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ዂላቶም ድማ ዜፍቅርዎም፡ 2 ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና። 3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ኪኸውን እዩ። 4 ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዚመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ። 5 ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሐፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። 6 ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ። 7 የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይኣመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። 8 ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። 9 እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ። 10 ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘየምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 11 እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ። 12 ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 13 ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብትኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።

3ይ መልእኽቲ ዮሐንስ 1

1 1 ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ። 2 ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዂሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ ኣሎኹ። 3 ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ። 4 ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን። 5 ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣሎኻ። 6 እዚኣቶም ብናይ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ። 7 ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። 8 እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ። 9 ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ ኣሎኸ፡ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሉ ድዮት ሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። 10 ስለዚ፡ እንተ መጸእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕኩ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም ኣሎ። 11 ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። 12 ንድሜጥሮስ ኲላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፡ እታ ሓዊ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፡ ምስክርና ሓቂ ምዃና ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 13-14 ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን። 15 ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፍቁራትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፍቁራትና በብስሞም ሰላም በሎም።

መልእኽቲ ይሁዳ 1

1 ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስን ሓው ያእቆብን፡ ናብቶም ጽዉዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡ 2 ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም። 3 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዂሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። 4 ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጻጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉዂ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ። 5 ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዂሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። 6 ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቚርዎም ኣሎ። 7 ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘሩ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን ኣለዋ። 8 ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጒይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ ኣለዉ። 9 ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን። 10 እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነቲ ርእሶም የጥፍእዎ ኣለዉ። 11 ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። 12 እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ 13 ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቚሩሎም ኣሎ። 14-15 ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዂላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኲላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዂሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዂሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም። 16 እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ። 17-18 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። 19 እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ። መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም። 20 ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኲሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ 21 ነቲ ናይ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣናተጸቤኹምሲ፡ ንርእሲኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ። 22 ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። 23 ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም። 24 ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቚመኩም ዚከኣሎ፡ 25 ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዂሉ ዘመናትን ሕጅን ንዂሉ ዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።

ራእይ ዮሐንስ 1

1 እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርኣዮ። 2 ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዂሉ መስኪሩ ኣሎ። 3 እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። 4-5 ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዂሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ 6 ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን። 7 እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኲለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዐሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን። 8 ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኲሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9 ኣነ ዮሃንስ ሓውኩም ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። 10-11 ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ላርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። 12 ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። 13 ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። 14 ርእሱን ጸጒሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ 15 ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። 16 ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እትብርህ ጸሓይ እዩ። 17-18 ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ። 19 እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ። 20 ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንደል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።

ራእይ ዮሐንስ 2

1 ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 2 ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 3 ትዕግስቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። 4 ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። 5 እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። 6 ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኸ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ ኣሎካ። 7 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ። 8 ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 9 ጸበባኻን ድኽነትካን፡ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፡ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፡ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 10 እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። 11 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጒዳእን እዩ። 12 ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ 13 ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ፡ ንኣንቲጳስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይክሐድካያን። 14 ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለዉኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ። 15 ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ ኣለዉኻ። 16 ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጸካ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። 17 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ። 18 ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 19 ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20 ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኸበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ። 21 ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። 22 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። 23 ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ። 24 ኣብ ትያቲራ ንዘሎኹም ኲላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓመቚ ሰይጣን፡ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎ፡ ዘይፈለጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25 ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ። 26-27 ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። 28 ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። 29 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።

ራእይ ዮሐንስ 3

1 ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ ኣሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ። 2 ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። 3 ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ። 4 ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም። 5 እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ። 6 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። 7 ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዐጹ፡ ንሱ ምስ ዐጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 8 ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ። 9 እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ሰይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። 10 ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኲላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። 11 ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎኻ ኣጽኒዕካ ሐዞ። 12 ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይኪወጽእን እየ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፡ ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ። 13 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። 14 ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 15 ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። 16 ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። 17 ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። 18 ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኲሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። 19 ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። 20 እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። 21 ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። 22 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።

ራእይ ዮሐንስ 4

1 ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ። እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካ ነጀው ደይብ፡ በለኒ። 2 ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። 3 እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ስርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ። 4 ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ። 5 ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 6 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ኣሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣለዉ። 7 እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ኣለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስል። 8 እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኲሉ ዚከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ። 9 እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ 10-11 እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለም ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉ።

ራእይ ዮሐንስ 5

1 ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ ርኤኹ። 2 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኺግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን ኣሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርእሕአኽዎ። 3 ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪራዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን። 4 ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኼኹ። 5 ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ ኣሎ፡ በለኒ። 6 ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ስማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን ኣለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 7 ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ። 8 ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልእሕአ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፡ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። 9-10 ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። 11 ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቊጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜ ኣሻሕ እዩ። 12 ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። 13 ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዂሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። 14 እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

ራእይ ዮሐንስ 6

1 እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጒዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 2 ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ ኣለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ። 3 ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ካልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 4 ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ። 5 ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ መጋል ፈርስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። 6 ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጒዳእ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 7 ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 ርኤኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም። 9 ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። 11 ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም። 12 ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኸ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። 13 ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ። 14 ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ። 15 ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኲሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጒድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ። 16 ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቊጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም። 17 እታ ዓባይ መዓልቲ ቊጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧

ራእይ ዮሐንስ 7

1 ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ። 2 ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ 3 ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጒድኡ፡ በለ። 4 ቊጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። 5 ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 6 ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 7 ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 8 ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ። 9 ሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኲሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ 10 ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። 11-12 እቶም መላእኽቲውን ኲላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ። 13 ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። 14 ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡ 15 ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ። 16-17 እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።

ራእይ ዮሐንስ 8

1 ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓት መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም። 3 ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኲሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺውስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። 4 እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጽሎት እቶም ቅዱሳን ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ። 5 እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከኣ ዀነ። 6 ነቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ። 7 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ። 8 እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ። 9 ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ። 10 እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። 11 ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ። 12 እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኦ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኡ ሲሶ ጸሓይ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዔ። 13 ርኤኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

ራእይ ዮሐንስ 9

1 እቲ ሓምሳይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹ፡ መርሖ ዓሚቚ ዔላውን ተዋህቦ። 2 ነቲ ዓሚቚ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ። 3 ካቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ። 4 ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጒድኣዮም፡ ተባህለሉ። 5 ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። 6 በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ። 7 ትርኢት እቲ ኣንበሳ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊል ወርቂ ዚመስል ኣለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። 8 ከም ጸጒሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጒሪ ድማ ኣለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። 9 ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ ኣለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናይ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። 10 ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን ኣለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን ኣለዎ። 11 ንጉስ ኣለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቚ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል። 12 እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ ኣሎ። 13-14 እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘልዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። 15 እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉ፡ ተፈትሑ። 16 ቊጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቊጽሮም ሰማዕኩ። 17 ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርኤኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ ኣለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከኣ ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። 18 በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ። 19 ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስውን ኣለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ። 20 እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ፡ ወይስ ኪሰምዑ፡ ወይስ ኪኸዱ ዘይከኣሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። 21 ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።

ራእይ ዮሐንስ 10

1 ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና ኣሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን። 2 ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ኣላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ፡ ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ። 3 ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ። 4 እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውን፡ ነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሐፎ፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። 5 እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡ 6-7 ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ፡ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኣ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለመ ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ። 8 እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ። 9 ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ ነታ መጽሓፍ ሀበኒ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያ፡ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ። 10 ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዐመትኒ፡ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡ 11 ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ።

ራእይ ዮሐንስ 11

1 ዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒማ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። 2 እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም። 3 ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ። 4 እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም። 5 ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ። 6 እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን ኣለዎም። ናብ ደም ኪልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን ኣለዎም። 7 ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቚ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ። 8 ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ንመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ። 9 ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ይርእዩ፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ኪንበር ኣይፈቕዱን እዮም። 10 እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ኪሰዱ እዮም። 11 ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮምውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡ 12 ነጀው ደይቡ፡ ዚብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም። 13 በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ። 14 እቲ ኻልኣይ ወዮ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። 15 እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣአልመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። 16-17 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኲሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። 18 ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቊጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳንን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሎ። 19 እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ፡ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።

ራእይ ዮሐንስ 12

1 ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣሕጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። 2 ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። 3 ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ 4 እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። 5 ንሳ ንዂሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉድ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። 6 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክለተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ በረኻ ሀደመት። 7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። 8 ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። 9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። 10 ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 11 ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። 12 ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ኣብሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቊጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም። 13 እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። 14 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። 15 እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ። 16 ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። 17 እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርአ ኺዋጋእ ከደ። 18 ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።

ራእይ ዮሐንስ 13

1 ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። 2 እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ። 3 ሓደ ኻብቶም ኣራእስውን ንሞት ከም እተወግእሕአ ዀ እሞ እታ ቚስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። 4 ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበርል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናብሉ ሰገዱሉ። 5 ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሕሕ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። 6 ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። 7 ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዂላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። 8 እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ፡ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፉ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዂላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። 9 ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። 10 ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። 11 ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን ኣለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። 12 ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቚስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። 13 ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። 14 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም ኣሎ። 15 ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። 16 ንዂላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር ኣሎ። 17 ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቊጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። 18 ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቊጽሪ እቲ ኣራዊት ብቚጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቚጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

ራእይ ዮሐንስ 14

1 እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስእሪ ርኤኹ። 2 ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። 3 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ምእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን። 4 እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዂራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። 5 ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም። 6 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዂሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቃታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናብ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። 7 ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ። 8 ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቚጥዓ ምንዝርናኣ ንዂሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ እናበለ ሰዐቦ። 9 ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተሙ እንተ ተቐበለ፡ 10 ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቊጥዓኡ ብዘይ ምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ። 11 ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን። 12 እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ። 13 ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እሮኦም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 14 ርኤኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። 15 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ ኣትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺሑ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። 16 እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዐጽደት። 17 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘ። 18 ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ሰዲድካ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ፡ በለ። 19 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቚ ናይ ቊጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። 20 እቲ መጽመቚ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቚ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትንእስታድዮስ ዚኣክል፡ ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ።

ራእይ ዮሐንስ 15

1 ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፡ እቲ ቚጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ። 2 ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቚጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ 3-4 ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዂሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ። 5 ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት። 6 እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዚብል ጽሩይ ክዳን ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ። 7 ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቊጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዚነብር ኣምላኽ እተመልኤ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሀቦም። 8 እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልኤት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲኤን መዓት ክሳዕ ዚውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።

ራእይ ዮሐንስ 16

1 ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፡ ኪዱ፡ ነቲ ናይ ቊጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ፡ ዚብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። 2 እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቊስሊ ወጾም። 3 እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሔ ትንፋስ ዘለዎ ዂሉ ህያው ድማ ሞተ። 4 እቲ ሳልሳይውን ጽዋኡ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ፡ ደም ከኣ ዀነ። 5 እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡ 6 ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም፡ ዚግብኦምውን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 7 እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ። 9 እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፡ ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚኤን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኺህብዎውን ኣይተነስሑን። 10 እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሐየኹ። 11 ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቚሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን። 12 እቲ ሳድሳይውን ጽዋኡ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። 13 ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቊርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ። 14 እዚኣቶም፡ ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኲላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። 15 እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ። 16 ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ ኣከብዎም። 17 እቲ ሳብዓይውን ጽዋኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑ፡ ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ። 18 በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። 19 እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናብቲ ብርቱዕ ቊጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። 20 ብዘለዋ ደሴታት ሀደማ፡ ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን። 21 ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።

ራእይ ዮሐንስ 17

1 ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው። 2 ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም፡ እናበለ ተዛረበኒ። 3 ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ። 4 እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቚን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። 5 ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። 6 እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ። 7 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገረምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። 8 እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቚ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። 9 ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡ 10 ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ። 11 እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። 12 እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። 13 እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። 14 እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ እዮም። 15 እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። 16 እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። 17 ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ ኣሎ። 18 እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።

ራእይ ዮሐንስ 18

1 ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። 2-3 ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኲሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዂሉ ዑፍን ኰይና። ኲሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቚጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ። 4-5 ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣት ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ። 6 ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ፡ ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ። 7 ብልባ፡ ንግስቲ ዀይነ እነብር፡ መበለት ኣይከውንን፡ ሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ። 8 ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታ፡ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። 9 እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮም፡ ኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም። 10 ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ ኣሎ፡ ኪብሉ እዮም። 11 እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላን። 12 ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምኒ በረድን፡ 13 ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። 14 እቲ ነፍስኺ ዝነሀገቶ ፍረ ኻባኺ ሐሊፉ፡ ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ። 15-17 እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኡ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኲሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዂሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። 18 ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዚመስላ፧ እናበሉ ጨርሑ። 19 ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ፡ እናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኰሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙ፡ ብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ እናበሉ ጨርሑ። 20 ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን፡ ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሐጐሱ። 21 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለ፡ ባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። 22 ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኲሉ ጥበበኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። 23 ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኲሎም ኣህዛብ ብጥንቊልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። 24 ደም ነብያት ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።

ራእይ ዮሐንስ 19

1-2 ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዲ ሓቕን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 3 ካልኣይ ጊዜ ድማ፡ ሃሌልዩ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ። 4 እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። 5 ኻብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኲሉዂም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ። 6-7 ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ። 9 ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ። 10 ኣነ ከኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ። 11 ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። 12 ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፡ ብጀካኡስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ። 13 ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። 14 ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። 15 ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቚ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቊጥዓ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። 16 ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኲልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ። 17-18 ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዂለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምን፡ ስጋ ዂሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። 19 እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። 20 እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝገበሩ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። 21 እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኲለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።

ራእይ ዮሐንስ 20

1 መርሖ መዓሙቚን ሓደ ገዚፍ መቚሕን ኣብ ኢድ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። 2 ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። 3 እተን ሽሕ ኦኣመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቚ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። 4 ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተምውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። 5 እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ። 6 ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። 7 እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ 8 እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቊጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። 9 ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። 10 እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን ኣቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። 11 ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። 12 ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 13 ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 14 ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። 15 ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

ራእይ ዮሐንስ 21

1 እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። 2 እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። 3 ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። 4 ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። 5 እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዂሉ እሕድሶ ኣሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። 6 ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ኻብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። 7 እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኽ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። 8 እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፋናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። 9 ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ከርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ። 10-11 ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናን ከም ኣዝዩ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዚመስል። 12 ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ ኣለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጽሒፉ ኣሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። 13 ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ ኣሎ። 14 ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት ኣለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኣሎ። 15 እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ ኣለዎ። 16 እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። 17 ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። 18 እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። 19 መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብኽቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፊሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ 20 እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። 21 እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ። 22 ኣቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደሳ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። 23 እታ ኸተማ እቲኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። 24 ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። 25 ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታታ ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። 26 ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም። 27 እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።

ራእይ ዮሐንስ 22

1 ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ 2 ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸም ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ። 3 ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎን 4 ገጹ ኺርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ። 5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኬብርሃሎም፡ ንዘለኣለመ ኣለምውን ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ። 6 ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዚግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ ኣሎ። 7 እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ። 8 ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። 9 ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ። 10 ድማ፡ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። 11 እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። 12 እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ። 13 ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። 14 ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጽቡ ብጹኣን እዮም። 15 እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦታትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዂሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም። 16 ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ። 17 እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይብል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ። 18 ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዂሎም እምስክረሎም ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። 19 ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጒደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ግዲኡ ኼጒድለሉ እዩ። 20 እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ። 21 ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኲላቶም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።